Saturday, April 30, 2011

ክሕደት

+በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

“ነታ ናይ መጀመርያ እምነትና ኣጽኒዕና እንተ ሓዝናያ መማቅልቲ ክርስቶስ ንኸውን” (ዕብ 3፡14) ። መጀመርያ ቤተ ክርስትያን ሓድነት መላእክት ዝተመስከረላ እያ ነይራ። እግዚኣብሔር ቅዱስ ስሙ ንመላእክት ምስ ፈጠረ ካብኦም ተሰወረ። ኣብ መንጎ መላእክት ሓደ ሕቶ ተላዕለ። ንሱ ኸኣ “መን’ዩ ፈጣሪና፤” ዝብል እዩ። ዲያብሎስ ካብኦም ብስልጣን ልዕል ዝበለ ስለዝነበረ ብትዕቢት ተወጢሩ “ኣነ እየ ፈጣሪኹም” በለ። ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤልን ካልኦት ቅድሳን መላእክት ግን ነዚ ኣይተቀበልዎን። ክሳብ ፈጣሪና ንፈልጥ ኣብ ዘለናዮ ደኣ ንጽናዕ በሉ። እግዚኣብሔር ምስ ተገልጸ ከኣ ንዲያብሎስ “ኣቡሃ ለሓሶት” ኢሉ ናብ ናይ ዘለዓለም ጸልማትን ስቅያትን ደርበዮ።

 ኣርዮስ፡ ብ257 ዓ.ም ኣብ ሊብያ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝተወልደ ኮይኑ ወዲ መዝሙር ተፍጻሜተ ሰማእት ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ዝነበረ ታሪኽ ቤተ ክርስትያንና ይሕብር። ኣርዮስ ሓያል ተውህቦ ናይ ግጥምን ዜማን ስብከትን ዝነበሮ ካህን እዩ ዝነበረ። ፍልስፍናዊ ትምህርቲ ተማሂሩ ስለ ዝነበረ ነቲ ስርዓትን ሕግን ቤተ ክርስተያን ዝተተርጎመ መጻሕፍቲ ሓዲጉ እናተፈላሰፈ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርጉም ጀመረ። ብሰንኪዚ ኸኣ “ወልድ ብመለኮቱ ፍጡር እዩ” እንዳበለ ብግሁድ መሃረ።

ኣርዮስ ዝብል ኣጸዋውዓ ኣብ ሕብረተሰብና ፍሉጥ እዩ። ንሓደ ርጉም፡ ናይ ሰብ ተፈጥሮ ዘይብሉ መለከዒ እዩ።
መምህሩ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽምለስ ብዙሕ እኳ እንተ መኸሮ ንሱ ግና ኣበዮ። ኣብዚ እዋን ጎይታ ንቅዱስ ጴጥሮስ ብራእይ ክም ሓደ ክዳኑ ኣብ ክልተ ዝተቀደ ሕጻን ኮይኑ ተራእዮ። “ንስኻ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዶ ኣይኮነካን” እሉ ምስ ሓተቶ፡ “እወ ኣነ እየ” ክብል ከኣ መለሰሉ። “ክዳንካ ድኣ መን ቀደደልካ” ኸኣ በሎ፡ “ኣርዮስ ክዳነይ ቀዲዱለይ፡ ካብ ናይ ባህርይ አቦይ ኣብ፡ ካብ ናይ ባህርይ ሕወተይ መንፈስ ቅዱስ ፈልዩ ፍጡር ኢሉኒ፡ ካብ ሕጂ ኸኣ ዘይምለስ ስለ ዝኾነ፡ ወጊዝካ ካብ ሓድነት ቤተ ክርስትያን ፍለዮ” በሎ። ቅዱስ ጴጥሮስ ትፍጻሜተ ሰማእት ኸኣ ከምቲ ዝተባህሎ ንኣርዮስ ወገዞ። ቅዱስ ጴጥሮስ ኣኪላስን እለስክንዲሮስን ምስ ኣርዮስ ኮይኖም ኣብ ትሕቲኡ ይመሃሩ ስለ ዝነበሩ ምስ ዓረፈ ካብ ውግዘቱ ክየፈትሕዎ ነገሮም። ኣኪላስ ግና ቓል መምህሩ ጥሒሱ ንኣርዮስ ካብ ውግዘቱ ፈትሖ። ኣብ ሓድነት ቤተ ክርሰትያን ኸኣ ጸንበሮ። ኣኪላስ ቃል ስለ ዘስተንዓቀን ዘይሰምዐን እግዚኣብሔር ቀዘፎ።

ትምህርቲ ኣርዮስ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናሰፍሐን ሓደገኛ እነዳኾነን ከደ። ብሰንኪዚ ኸኣ ብ325 ዓ.ም ጉባኤ ተኻየደ። ካብ ዓለም ምሉእ ልዕሊ 2300 ዝኣኽሉ ጳጳሳት ኣብ ኒቅያ ተኣከቡ። 318 ካብኣቶም ከም ሓደ ልቢ መኻሪ ከም ሓደ ቃል ተዛራቢ ኮይኖም ጸሎት ሃይማኖት ዝጸሓፉ እዮም።  ዘመኑ ቆስጠንጥኖስ ነጊሱሉ ኣብ ዝነበረ እዩ። ኣርዮስ ኣብቲ ጉባኤ ትምህርቲ ክሕደቱ ክገልጽ ተፈቕደሉ። ናቱ ክሕደት “ወልድ ብመለኮቱ ፍጡር እዩ። ግናኸ ካብ ካልኦት ፍጡራን ልዕል ዝበለ እዩ። ወልድ ዝይነበረሉ ዘመን ነይሩ እዩ። ንኣብ ወዱ ደኣ ይኹን እምበር ፍጡር እዩ፡ ብዝርኣዮ ገድሊ ከም ኩሎም ሰማእታትን ጻድቓንን በረኸትን ጸጋን ተቐቢሉ ሱታፈ ኣምላኽነት ረኸበ። ዝብል ነበረ።”
እዚ ናይ ኣርዮስ ትምህርቲ ኮንቱ ምዃኑ ኣፈ ጉባኤ ኾይኑ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ዝመለሰ ቅዱስ ኣትናቴዎስ እዩ። ሕጽር ብዝበለ ከኣ ከምዚ እሉ ኣብረሃሉ፡
1. ወልድ ፈጣሪ እምበር ፍጡር ከም ዘይኮነ
2. ምስ ኣብኡ ማዕረ ስግደትን ኣምልኾን ከም ዝግብኦ
3. ስጋ ለቢሱ ብመልክዕ ባርያ(ሰብ) እኳ እንተ ተራእየ ካብ ኣምላኽነቱ ዝኾነ ይኹን ዝጎድሎ ከም ዘይብሉ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጥቃስ መለሰሉ። መልሲ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝነበረ ጉባኤኛታት ተቀበልዎ። ንኣርዮስ ካብ ክሕደቱ ክምለስ ሓተትዎ ስለዝኣበየ ኸኣ ወጊዞም ፈለይዎ።

“ጥበብ እዛ ዓለም ዚኣ ኣብ ኣምላኽ ዕሽነት እያ” (1 ቆረ 3፡20) ። ንምንታይ ኣብ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ጥበብ እዛ ዓለም ዚኣ ዕሽነት ኮነት፤ ምኽንያቱ እቲ ፈላጥ እግዚኣብሔር እዩ። ሰብ ነቲ እግዚኣብሔር ዝገለጸሉ ጥራይ ክፈልጥ ዝኽእል። ኣርዮስ ከኣ ተፈላሲፉ ተባሂሉስ ኣብ ዘይፈልጦ ኣትዩ ተመራመረ። ኣርዮስ ከኣ ብናይ ገዛእ ርእሱ ፍልጠት ተወጢሩ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ክሕደት ዘርገሐ። እዚ ኣብ ዘመነ ሊቃውንቲ ብዝፍለጥ ግዜ እዩ። ቤተ ክርስትያን ሰላም ረኺባ መሰላ ተሓልዩ ትኸደሉ ዝነበረት እዩ።

ክሕደት/መናፍቅነት ኣብ ዳሕራይ ዘመን እምነት ምኽሓድ ከም ዝመጽእ ተነጊሩ እዩ(1 ጢሞ 4፡1)፡ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቆረንቶስ ዝበሎ ቃል “ስለዚ ኣሕዋተየ ጻዕርኹም ብጎይታ ኸንቱ ኸም ዘይኮነ ፈሊጥኩም ብዕዮ ጎይታ ጽኑዓት ዘይትናቓነቑ ኩሉ ጊዜ ዕዙዛተ ኩኑ።” (1ቆረ 1558) ዝብል ኣብ ኣእምሮናን ሕልናናን ንደጋግሞ። ንምስክርነት ስላሴ ብመንፈስ ቅሩባት ንኹን። ምኽንያቱ 1 ጴጥ 3፡15 “ንጎይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ዝሓተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኩሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ” ይብለና። ኩሉ ሳዕ ድልዋት ንኹን። መልክዑ እና ቀያየረ ክመጽእ እዩ ንሓና ግና ንቑሓት ንኹን። ብሓቂ ኣምላኽ ደገፉ ክህበና እዩ። ፍቕሪ ኣምላኽን ጸጋ ጎይታናን ሕብረት መንፈስ ቅዱስ ምስ ኩልና ይኹን።

ስብሓት ለእግዚኣብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር። ኣሜን!!!