Saturday, June 4, 2011

ብጌጋኻ ዘይምእማን

+ በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

ትሕትና ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፤

ኣብዚ ዓቢን ኣገዳስን ኣርእስቲ’ዚ ክንዛተ እንተ ኮና ትሑትነት’ውን ምግላጽ ከድልየና እዩ። “ኣነ መን እየ፤” ዝብል ናይ ትሑትነት ስምዒት (Inferiority) ሒዙካ ትሕትና ተተግብር መሲሉካ ናይ እግዚኣብሔር ክብርን ሓቅን ክድፈርን እናረኣኻ ከምዘይረኣኻ ከተጽቅጥ ግቡእ ኣይኮነን። ንትሕትና ዝምልከት ንኣብነት ሓደ ቅዱስ ኣቦ “ከልቢ!!!” ኢሎም ምስ ተጸርፉ “ኣውሒድካለይ ዝሓወይ ከልቢ ደኣ ንጎይትኡ ክሳብ መቃብር ይሕልዎ እዩ፡ ኣነ ግና ክሳብ’ዛ ዕለት’ዚኣ  ንጎይታይ ብግቡእ ኣይየገልገልኩዎን” በሎ። እዚ ቅዱስ ኣቦ ንነፍሱ ተከላካኺሉላ’ዶ፤ ኣይፋሉን። ኣይተኸላኸለላን። መን ደኣ ይከላኸለሉ፤ እግዚኣብሔር ጥራይ እዩ ክከላኸለሉ። ትሕትና ነዚ ይመስል። እዚ ትሑት ኣብነታዊ ቅዱስ ኣቦ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ትሑት ኮይኑ ይነብር፡ ኣብ ቅድሚ ሰባት ትሑት እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ገዛእ ርእሱ’ውን ትሑት እዩ።

እቲ ብጌግኡ ዘይኣምን ሰብ እሞ ኸኣ ኣነ ቅኑዕ እየ ኢሉ ዝካታዕ ዓቢ በደል ኣለዎ። እዚ ሰብ’ዚ ጣዕሳ ኣይፈልጣን’ዩ፡ ናብ ንስሓ ክኣቱ’ውን ኣይክእልን። ምኽንያቱ ኣይተጋገኹን ኢሉ ስለዝሓስብ።
ኢዮብ 10፡2 ”ኦ ኣምላኽ ኣይትኾንነኒ ብምንታይ ትኸሰኒ ኸም ዘሎኻ ንገረኒ” 

ሺምዒ ንዳዊት ምስ ረገሞ ዳዊት እንታይ ኢሉ መለሰሉ፤
2 ሳሙ 16፡10 “ ንጉስ ግና ኣቱም ደቂ ጽሩያ ምሳኻትኩም ዚራኽብ እንታይ ኣሎኒ፤ እቲ ዚረግመኒ ዘሎስ፡ እግዚኣብሔር ‘ንዳዊት ርገሞ’ ኢሉ ኣዚዝዎ እዩ እሞ ‘ስለምንታይ ከምዚ ትገብር ዝብሎ መን እዩ፤ በሎ።”
ቅኑዕ ከሎ ዝማጎት ኣሎ። በዲሉ ከሎ ከኣ ዝማጎት ኣሎ።

ጌጋ የብለይን ዝብል ሰብ ንጎይታ ምድሕን ህይወተይ ክብሎ ኣይበቅዕን እዩ። ዘይጋገ እንድዩ ካብ ምንታይ’ሞ ከድሕኖ። “ንሓኪም ሕሙማት እምበር ጥዑያት ኣየድልይዎን እዮም” ይብል እግዚኣብሔር ወልድ። ብሓቂ መዓልታዊ ኣብ ኣእምሮና ክመላለስ ዝግብኦ ዓቢ ህያው ቃል እዩ። ስለዚ ኣብዚ ትዕቢት ንስሓ ካብዘይሃለወት መዓስ ደኣ ክንምለስ፤ ድርቅና ምስዝውሰኾ ከኣ ካብ ሓንቲ ጌጋ ናብ ብዙሕ ተለዊጣ ጠጠው መበሊ/መዕረፊ ትስእን። ብኣንጻሩ እቲ ንሰማያዊ ህይወት ዝናፍቅ ሰብ ኩሉ ግዜ ተጋጊየ እና በለ ይነብር። ብስቡር ልቢ ንኣምላኹ ስለዝምለስ ኩሉ ግዜ ኣምላኽ እሕልዎን ይረድኦን። ንኣብነት ኣብ ሉቃስ ወንጌል 18፡11-13 ዘሎ ቅዱስ ቃል እቲ ፋርሳውን ተቀባል ቀረጽን፡ ተቀባል ቀረጽ ሓጥያቱ ተኣሚኑ ኣፍልቡ እናወቀዐ ናብ ኣምላኽ ጸለየ ሓጥያቱ ከኣ ተሓድገሉ። እቲ ፋርሳዊ ግን “ከምቲ ተቀባል ቀረጽ ዘይኮንኩ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ይጸውም እናበለ ጽድቁ ይቆጽር ነበረ፡ በሰንኪ ትዕቢቱ ከኣ ጸሎቱ ክዕንቀፍ ይርአ። ንጎይታና ጎይታ ኹሉ ኣሚና ካብ ዝገበርናዮ ኩሉ በደል ይቅረ ክብለልና ብስቡር ልቢ ንለምን። ኣምላኽ ከኣ ምሕረቱ ኣብ ቀረባ እያ። ብካልእ ወገን ውን እታ ኣመንዝራ ንጎይታና ብንብዓታ ቅዱሳን ኣእሩ ዝሓጸበት ስርየት ሓጥያት ካበይ ምዃኑ ስለዝተረደአት ካብቲ ዝገበረቶ ኩሉ ነጺሃ ክትመላለስ እግዚኣብሔር ወልድ ብርህራሀ ሓደገላ።

በደለኛ ከሎኻ በደል ይብለይን ኢልካ ንሰባት ከተእምን ምፍታን ተወሳኺ ዕንቅፋት እዩ። ከምኡ’ውን ክብርኻ የነኪ። ሰማያዊ ሃብቲ ዘማዕዱ ግን ተበዲሉ ከሎ ተበዲለ ኣይብልን ብሕልንኡ’ውን ከይተረፈ ከምዘይተበደለ ይኣምን። ካብዚ ዝለዓለ እቲ ወሪዱዎ ዘሎ ናቱ ይቆጽሮ። ንኣብነት ንዝጸረፈካ ወይ ጌጋኻ ንዝነገረካ ካብ ትኹርየሉ ወይ ትምልሰሉ ዓርክኻ ትገብሮ። ምኽንያቱ ቅድሚ ምጽኣት ዓለም ጉድለትካ ኣብዛ ምድሪ ከሎኻ ስለዝነገረካ። ክትሕጎስ’ውን ይግበኣካ።    

ምሳሌ 20፡22 “እከይ ክፈዲ ኣይትበል ንእግዚኣብሔር ተጸበዮ እሞ ንሱ ኼድሕነካ እዩ” በዚ ምኽንያት ትሑታት ንገዛእ ርእሶም ኣይፈደዩን። ንኣብነት ሙሴ ጸሊም ብዛዕባ ዮሴፍ ክዛረብ ከሎ” ዮሴፍ ትሕትንኡ እምበር ኣሕዋቱ ኣይኮኑን ሸይጦሞ”። ዮሴፍ ብሰበይቲ ጳጢፋር (ኣዛዚ ቤት ፈርዖን) ምስ ተኸሰ ሓንቲ ኣይገበርኩን ኣይበለን። ተኣስረ። ኣምላኽ ብዝሓሰቦ ዓቢ ኽብሪ ከኣ ረኸበ።
ቅዱስ መቃርዮስ ተጋሲሱኒ ኢላ ሓንቲ ሰበይቲ ምስ ከሰሰቶ ኣፉ ኣይከፈተን። ተጻዒራ ክትሓርስ ከላ ከኣ ተናዘዘት። ይቅረታ ክሓትዎ ክመጽዎ ምስ ሓሰቡ ቅዱስ መቃርዮስ ነዚ ነገር’ዚ ፈሊጡ ናብ ካልእ ዓዲ ሃደመ። ምኽንያቱ ትዕቢት ከይሓድሮ።

ቅድስቲ ማሪና’ውን ናብ ብሕትውና ክትኣቱ ኸላ ሰብኣይ ኮይና ኣተወተ። ቅድስቲ ማሪና ሓንቲ ሰበይቲ ተጋሲስኪ ኢሎም ምስ ከሰሱዋ’ውን ኣነ ሰበይቲ እየ ኣይበለትን። ነቲ ገበን ለቢሳ ኪሳብ ሞት’ውን በጸሐት። ኪሓጽብዋ ምስ መጹ ጓል ኣንስተይቲ ምዃና ተፈልጠት።
ብርቱዕ ሰብ ዝበሃል ከመይ ዝበለ እዩ፤ ነገዛእ ርእሱ ዝሓሊ ወይ ጌጋ የብለይን ዝብል ድዩ፤ ኣይኮነን። ኣርኣያ ኩሉ ዓለም ጎይታናን ምድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንገዛእ ርእሱ ምእንታና በጃ ኮነ። ከምቲ ናብ መሕረዲ ዝኸይድ ገንሸል ኣፉ ኣይከፈተን። ተጸርፈ፡ ጡፍ ተባህለሉ፡ ተገርፈ፡ አረ ክሳብ መስቀል’ኳ ተሰቅለ። ስቅታኡ ካብ ዝኾነ ቃል ትዓቢ ነበረት።

ካብ ዘገርም ግን ብዙሓት ኣብ ጌጋ ከለዉ ጌገኛታት ኣይኮናን ይብሉ። ትሑታት ግን ተጋጊየ ንኽብሉ ግዜ ኣይወስደሎምን እዩ። ካብ ውሽጢ ዝፈልፈለ ሕልናኡ ዝደረኾ እዩ። ፈታዉ ነፍሱ ግን ክውንነት ዘይብሉ ሓበን ይብርትዖ። እዚ ከኣ ጌጋ እዩ። ክናሳሕ ዕድል የብሉን፡ ነቲ ጌጋኻ ካልእ ጌጋ ትውስኸሉ ትሽፍኖ’ውን። “ሓባእ ቅስሉስ ሓባእ ፈውሱ” ‘ኳ ዝበሃል። ንኣብነት ሃናንያን ሰጲራ ሰበይቱን ንመንፈስ ቅዱስ ጌግኦም ክሽፍኑ ክብሉ ናብ ዘይተደልየ ካልእ ዝገደደ ሓሶት ኣተው ዓስቦም ከኣ ሞት ኮነ። ኣብ ዓይኒ ሰብ ንጹህ ምዃን ኣይንጸሃካን እዩ።
ብዛዕባ ነፍስኻ ጥራይ ትዛርብ እንተኸንካ እቲ ዝሰምዓካ ዘሎ ሰብ ናባኻ ክቀርብ ኣይትዕድሞን ኣለኻ። ካባኻ በዝተኻእለ መጠን ክርሕቅ ይደሊ። ያዕ 1፡19 “ኩራ ሰብኣይ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ” ስለዚ ኣብ ንቁጠዓሉ ንስምዒትና ንቆጻጸር። ሕያዋይ ሰብ ክትቀርቦ ደስ ይብለካ። ምኽንያቱ ስለዝሰምዓካ ከይትኹርዮ ይከናኸነካ። ተሪር ሰብ ግን ፍጹም ስለዘይሰምዓካ ሸለል ትብሎ። ኩሉ ሰብ’ውን ኣነ በሃላይ ምዃንካ ምስ ፈለጠ ይገድፈካ።

ናትካ ጌጋ ናብ ካልእ ምልጋብ                                         
ንኣብነት ኣቦና ኣዳም ጌግኡ ናብ ሄዋን ሄዋን ከኣ ናብቲ ተመን ምልጋብ ማለት እዩ። ኣዳም ብዛዕባ ንፍሱ ክከላኽል ዝመሰሎ “እዛ ምሳይ ክተከውን ዝሃብካኒ ሰበይቲ ኻብታ ኦም በለስ ሂባትኒ በላዕኩ” ሓደ ሰብ ንምንታይ ዘይመጻእካ እንተኢልካዮ ዝሓበረኒ የለን ይብለካ። ወይ ናብ ቤተ ክርስትያን ንምንታይ ዘይከድካ እንተበልካዮ መዛሙር ወይ ቅዳሴ የብዝሑ ኮይኖም ይብለካ። ቅዳሴ ይብዛሕ መዛሙር ይደጋገም ግቡእካ ቃል ኣምላኽ ምስማዕ’ዶ ኣይኮነን፤
ኣብ ገሊኡ’ውን ጌጋኻ ናብ እግዚኣብሔር ምድርባይ ኣሎ። ዝሓሰብካዮ ውጥንካ ምስ ዘይቀንዓካ “ኣንታ ኣምላኽ ንምንታይ ከምዚ ጌርካኒ፤” ፍቁር ሓው ጌጋ’ኮ ናትካ እዩ። ኣበርቲዕካ ሰለዘይጸዓርካ ወይ ሜላኻ ብጽቡቕ ኣይተጠቀምካሉን ማለት እዩ። ቃኤል እግዚኣብሔር ብዛዕባ ሓው ምስ ሓተቶ እንታይ ኢሉ መለሰሉ ንርአ፡ ዘፍ 4፡9 “ሓውካ ኣቤል ኣበይ ኣሎ፤….ኣይፈልጥን ኣነ’ዶ ሓላው ሓወይ እየ” እዚ ከኣ ድፍረት ዝተሓወሶ እዩ።

ፍልስፍና ምሕዋስ ከኣ ኣሎ። ንኣብነት ኣርዮስ ካብ ጌግኡ ክንዲ ዝምለስ ፍልስፍና ሓዊሱ ነታ ሕብረት መእመናን ብደም ክርስቶስ ዝተቀደሰት ቅድስት ቤተ ክርስትያና ክፈላሊ ባህ በሎ። እቲ ዝገደደ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ጌጋ ምሽፋን ካብ ቃላት እግዚኣብሔር ጥቅስታት ኣውጺእካ ናትካ ድልየታት ክትረክብ ሒዂ ምባል። እግዚኣብሔር ክህሉ ይብሉን ምባል ይሕሸካ። ብሓቂ ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ ኣላ መወዳእታ ግና መገዲ ሞት እያ። ነዓጹም! እንተበልካዮ ካብ ኣፍ ብዝወጽእ እምበር ብኣፍ ዝኣቱ ኣይጎድእን ኢልካ ናትካ ፍልስፍና ካብ ቃል ኣምላኽ ቁንጭል ኣቢልካ ድላይካ ክትገብር ጌጋን ዓቢ በደልን እዩ። ስለዚ ህዝበ ክርስትያን ኩልና በደል ኣሎና፡ ፈሊጥናን ከይፈለጥናን ንጋገ ኢና። ስለዚ“ኣብዚ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት ንበሩ” (1 ጴጥ 1፡17) ዝብለና ቃል ህይወት ከም ማዕተብ ንልበሶ። “እቲ ውግእሲ ናይ እግዚኣብሔር እዩ” (1 ሳሙ 17፡47) ኢልና ንእግዚኣብሔር ብዝግባእ ነገልግሎ። በደልና ከይረኣየ ሓጥያትና ከይተመልከተ ብብዝሒ ምሕረቱ ይደግፈና።

ምንጪ፡ ስብከት ካብ ልሳን ዓረበኛ ብፖፕ ሽኖዳ 3ይ. 

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!!!