Friday, February 10, 2012

ገድሊ ኣቡነ ኣቢብ


በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

ገድሊ ኣቡነ ኣቢብ ምስ ዲያብሎስ ካብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቅ።
እዞም ቅዱስ ኣቦ ብብሕትውና ካብ ኣቡነ ኣንጦኒ 3ይ ዝኾኑ፡ ቅዱሳት ቦታታት ክበጽሑ ንኢዮርሳሌም ኣብ ዝኸዱሉ እዋን እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንሰይጣን ኪድ ንገሮ ኢሉ ብዝኣዘዞ መሰረት፡ ሰይጣን ድማ ሓንቲ ከይሓብአ ከመይ ገይሩ ንደቂ ሰባት ከም ዘስሕቶም ሓደ ብሓደ ንኣቡነ ኣቢብ ገለጸሉ። ሰይጣን ንኣባ ቡላ ወይ ድማ ኣቡነ ኣቢብ ድላይካ ሕተተኒ ፈትየ ዘይኮንኩስ እግዚኣብሔር ኩሉ እቲ ግብርኻ ንዓለም ከመይ ጌርካ ከም ተስሕታ ንፍቑረይ ኣቢብ ንገሮ ተባሂለ ስለዝተኣዘዝኩከይሓባእኩ ክነግረካ እነኹ ተኣሲረ መጻአ ኣለኹ። ዝደለኻ ሕተተኒ። ኣብኡ ንኣቢብ ድማ ከምዚ ኪብሉ ሕቶኦም ጀሚሩ። 

ሕቶ፡ ንሰብ ብዘይፍቃድ እግዚኣብሔርከመይ ጌርኩም ተስሕትዎም ዘለኹም። 
መልሲ፡ ንሕና ብፍቃድ እግዚኣብሔርእንተተምላሊሱ ከነስሕቶ ይትረፍ'ሲ ጥቅኡ ምቕራብ ንፈርህ ኢና።
        ንሕና ነስሕቶ ግና ካብ መንገዲ እግዚኣብሔር ክእለ ከሎ ኢና። ኣብዚ ግዜ ግና ምቹእ ናይ
        መእተዊ ዕድል ንረክብ እሞ ከም ቃሕ ዝበለና እናገበርና ንሕልንኡ ንቆጻጸሮ። ንኣብነት ህጻን
        እንተኾይኑ ኣዲኡ ስም እግዚኣብሔርዘይትጽውዕ እንተኾይና ኣብኡ ሓዲርና ሕማቅ ጠባይ ከም  
        ዝህልዎ ጌርና ነዕብዮ። ንኣብነት ቀብጠርጠር፡ስዲ፡ ተጻራፊ ንገብሮ።

ሕቶ፡ከመይ ኢልኩም ንመንእሰያት ተስሕቱዎም፤
መልሲ፡ብፍትወት ዓለም፡ ትዕቢት፡ ትምክሕቲ፡ ብፍቕሪ፡ መልክዕን መስተን፡ ስጋዊ ፍቕሪ፡ ፍቕሪ ደቂ
        ኣንስትዮ፡ ንኣዋልድ ድማ ፍቕሪ ደቂ ተባዕቲዮ ከም ዝሓድረንፍቕሪ ክዳን ፍቕሪ ድቃስ በረኸት
        ናይ እግዚኣብሔር ምእንቲ ከይካፈሉ ናብ ቤተክርስትያን ምኻድነጽልኦም። ልቢ መንእሰይ ቁጥዓ
        ከም ዝቃጸል ንገብር። ፍቕሪ ገንዘብ ነሕድረሎም። ብሓሶት ከምዝምሕሉንገብሮም፡ ብሓሶት
        ከምዝምስክሩ ንገብሮም፡ ኣብ ልቦም ቅንኢ ነእትወሎም። ከምዚ ጌሮምስለዝነብሩ ድማ እቶም
        መላእኽቲ ካብኣቶም ይርሕቁ።

 ሕቶ፡ ንስኻ መዓስ እትእመን ኮይንካ ንሓሶት ኣቦኣ’ዶ ኣይኮንካን። ከመይጌረ ክኣምነካ ይኽእል፤
መልሲ፡ፈተየ ዘይኮነኩስ እንሆ ኣብ ልዕለይ ጠጠዉ ኢሉ ናይ እግዚኣብሔር መልኣኽ ስይፉ መሊሑ ገለ
         ነገር ከይሕሱ ይሕልወኒ ኣሎ። የግዳስ ኩሉ ዘድልየካ ገለ ከይየጉደልካሕተተኒ እምበር ፍቃደይ
         ነይሩ እንተዝኾውን ቅድሚ ኹሉ ነዓኻ መስሓትኩኻ ደኣ እምበር ገለ’ኳ ካብዚምስጢር ሓሶት
         ኣይመካፈልኩኻን ምኽንያቱ ነዚ ሜላ መስሓቲና ተረዲኦም ብዙሓት ሰባት ካብፍቃድና ምፍጻም
         ሃዲሞም ፈጸምቲ ፍቃድ እግዚኣብሔር ከም ዝኾኑ ስለዝፈልጥ እዩ።  

ሕቶ፡ኣብ ገዳም ቆሮነጦስ ደኣ ንኣምላኽና ክትፍታትነዎ ክንደይ ደፈርኩም፤
መልሲ፡ኣምላኽ ምዃኑ ኣይፈለጥናን። ሓደ ካብ ነብያት መሲሉና።

ሕቶ፡ንሰማያት ደይብኩም ናይ መላእኽቲ ምስጋና ተስምዑ’ዶ፤
መልሲ፡ካብ መዓርግና ምስ ወደቅና ፈጺምና ናብ ሰማይ ኣይንምለስን ኢና። ክሳብ ኣየር ግና ንበጽሕ
         ኢና። ሓለቃና ሳጥናኤል እንተ ዘይኮይኑ ንሳ’ውን ሓንቲ ግዜ ንጻድቅእዮብ ክፍትኖ ከሎ እዩ።

ሕቶ፡ንደቂ ኣዳም ምስ ኣስሓትኩም እንታይ ረብሓ ኣለኩም፤
መልሲ፡ሓቢሮም ምሳና ኮይኖም ኣብቲ ባሕሪ ጸልማት ባሕሪ ሓውን ይሓዝኑን ይነዱን ንዘልኣለም ድማ
         ኣብኡ ይኸውን ስፍርኦም።

ሕቶ፡ኣብ ኣረጋውያን ‘ከ እቲ ትፍትንዎ ፈተነታት ከመይ ዝበለ እዩ፤
መልሲ፡ካብ ኣጓብዝ መንእሰያት ብዝበለጸ ኣብ ሽማግለታት ወይ ኣቦታት ሰብ-ሓዳር ብትህኪት
         ብሸለልትነት ኣብ ልቦም እናኣስሓትና እናኣሕሰብና ጸሎት ከይገብሩ ትህኪትጾም ከይጾሙ
         ኣንጊሆም ከም ዝበልዑ ቁርባን ወይ ስጉኡን ደሙን ንኸይቅበሉ የብቅዓናነብሎም። ብጠቅላላ
         ካብ ኩሉ ሰናይ ነገር ከም ዘቋርጹ ንገብሮም። ተራገምቲ ንክኾኑ ኣነ’ኳወዲ እገለ እየ እና በሉ
         ብትምክሕቲ ትዕቢትን ከምዝሕዞም ንሕብር። ናይ ሰብ በደል ወይ ጌጋነርእዮም። ንሳቶም ግን
         በደል ከምዘይብሎም ሓቐኛታት ኢና ከምዝብሉ ንገብሮም።

ሕቶ፡ብኽንደይ ዓይነት ተመሲልኩም ንወዲ ኣዳም ተስሕትዎም፤
መልሲ፡ ንሕና ብዘይንመስሎ ነገር የለን። ዕላማና ካብቲ ብርህቲ ሃገር መንግስተ ሰማያት ንሕና ንፈልጣ
          ሓንሳእ ንሓዋሩን ዝሰኣናያ ንወዲ ኣዳም ምስ ተዋህበት ንሱ ንኸይኣትዋድልየትናን ሃረርታናን
          ስለዝኾነ ብዝተፈላለየ መልክዕ እንዳ ኣደናገርና ስራሕናንቅጽል። ምኽንያቱ ባህርያት ወዲ ሰብ
          በብዓይነቱ ስለዝኾነ ንሕና መልክዕና እናለዋወጥና ንማርኾ።ንኣብነት መላእኽቲ ተመሲልና፡
          ጻድቃን ተመሲልና፡ ባሕታውያን ተመሲልና፡ ቅኑዓት ሰባትተመሲልና፡ ብደቂ ኣንስትዮ ጽቡቕ
          ዝመልክዐን መሳርሒና ጌርና፡ ፈታዊ ተመሲልና፡ ብለባማትኣረጋውያን ተመሲልና፡ ብነገስታት፡
          ብወተሃደራት መሲልና ነስሕቶም። ከምኡ’ውን ኩሎም ኣራዊትብኣንበሳ፡ ብነብሪ፡ ብዝብኢ፡
          ብህበይ፡ ብውኻርያ፡ ብተመን፡ ብእንቅርዕቢት፡ ብከልቢ፡ ብኣዕዋፍወዘተ……. ተመሲልና ንዓለም
          ነስሕታ።

ሕቶ፡ስለምንታይ በዚ ኹሉ ተመሲልኩም ንፍጡር ወዲ ኣዳም ተስሕቱ።
መልሲ፡ሰባት ምእንቲ ከይፈልጡና። ምኽንያቱ ኣብ ምድሪ እግዚኣብሔር ኣናኣመስገኑ እንተደኣ
         ተቀሚጦም ምስ ሞቱ ናይ ዘልኣለም መንግስተ ሰማያት ስለዝወርሱ።ብዘይምቁራጽ ለይቲ ምስ
         መዓልቲ ብዝተፈላለየ ተምሳላት ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ከነስሕቶም ንነብር።

ሕቶ፡ንወዲ ሰብ ከመዚ ተመሲልኩም ከምተስሕቱ ዝፈልጥ ፍጡር ኣሎ’ዶ፤
መልሲ፡ዝፈልጡና ኣለው ዘይፈልጡና’ውን ኣለው። እቶም ዝፈልጡና ፍርሃት እግዚኣብሔር ዘለዎም፡
         ብቅንዕና ዝመላለሱ ናብ ኣበ ነብሶም ካህን ከይዶም ኩሉ ሓጥያቶምንበደሎምን ነጊሮም ብንጽህና
         ናብ ቤተክርስትያን ቆሪቦም ናይ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስስግኡን ደሙን ዝቅበሉ
         ይፈልጡና እዮም። ኮሎ ጌና ናብኣቶም ከይቀረብና ብጨናና ይፈልጡና እዮም።ምኽንያቱ ንሕና
         ረሳሓት ኢና። ኣብ ሓጥያት ዝረሰሐት ሰብነት ድማ ንሓድር። እቶም ዘይፈልጡናግን ነዚ ክንገልጾ
         ዝጸናሕና ዘይማልኡ ካብ ፍቃድ እግዚኣብሔር ወጻኦም ብፍልጠቶምን ሃብቶምንክነብሩ ዝደልዩ
         ብስስዕቲ ዓለም ተዋሒጦም ፍርሃት እግዚኣብሔር ዘይብሎም ብሓሳብ ዓለም ትዋጢሮምዝነብሩ
         ሰባት መን ሙዃና ፈጾሞም ከለሉዩና ኣይከኣሎምን እዩ።

ሕቶ፡ንመናኩስቲ ፈለስቲ ከመይ ጌርኩም ትፍትንዎም፤
መልሲ፡ካብቲ ኩሉ ፍጥረት ደቂ ኣዳም እቲ ዝበርተዐን ዝኸበደን ውግእን ባእስን ምስ ባሕታውያን
         መነኮሳት እዩ። ኤፌ 6፡10-20 ። ምኽንያቱ እታ ናትና ዝነበረት ክብሪስለዘሕደጉና ነዚኣቶም
         ከነውድቆም ከሎና መጀመርያ ብንብዓት ክጽልዩ ከምዝፍጽሙ ንገብር። እሞጽንሕ ኢልና ድሕሪ
         ቁሩብ ግዜ ትህኪት ኣምጺእና ነቲ ውዑይ ፍቕሪ ኣምላኽ ከም ዝዝሕልንገብሮ። ናይ ዓለም ሓሳብ
         ንዘርኣሎም። ካብ ኣብ ገዳም ምቅማጥ ኣብ ከተማታት ንኽነብሩ ነፍትዎም።ከም እኒ ኣብርሃም
         ብቃል ኪዳን ዝጸደቁ ነዘኻኽሮም። ከምኡ’ውን ኣብ ልቦም ጽልኢ፡ ቂም፡ፍቕሪ ሽመት፡ ፍቕሪ
         ገንዘብን ወርቕን ሕሜትን ንኽፍጽሙ ነተጋግሆም። ኣብ ልዕሊ መምህራን ወይሓለፍቶም
         ብዝተፈላለየ ተንኮል ከም ዝለዓሉ ማለት ብኽስን ነገርን ምስ ደቂ ማሕበሮምተጻሊኦም ፍቆዶ
         ከተማታትን ዓድታትን ከም ዝዘሩ ንገብሮም። ኣብ ውሽጢ ሕልንኦም ፍቕሪ ደቂኣንስትዮ
         ንተክል። ፍቕሪ ውላድ፡ ብፍቕሪ ቤተሰቦም ከም ዝቃጸሉ ናብታ ዝሓደጉዋዓለም ከም ዝምለሱ
         ንገብሮም። ፍቕሪ ጥዑማት መብልዕን መስተን ክዳውንትን ስልማት ነሕድረሎም።ነቶም ብመርዓ
         ዝጸደቁ ንብያት ሃዋርያት ሰማእታት ነዘኻኽሮም። ብድመጺ ኣራዊት ብግርማለይቲ ብቁሪ ጸሓይ
         ከመይ ኢሎም ዕድሚኦም ምሉእ ከምዝሕልፍዎ ነሕስቦም። ተስፋ ቆሪጾምከምዝጨነቁ ንገብር።
         ብሕልምን ብምትሃትን ነፈራርሆም። ኣብ ቅድሚኦም ኣራዊት መሮር ተራኽቦክገበሩ ከለዉ
         ንርእዮም። ፍትወትን ክሳብ ዝወድቁ ንገብሮም። ከይንስሑ ከኣ ጽንዓትንትዕቢትን ትምክሕትን
         ሕማቕ ፍርሃትን ኣሕዲርና ዓይነ ልቦንኦም ነዕውሮም። ጸሎት እንተጸለዩ ነቲጸሎት ብታህዋኽ
         ብዘይምስትምቃር ከይተረድኦም ከም ዝጽልዩ ኣብ መንጎ ጸሎት እቱው ውጽእከም ዝብሉ
         እንተጸለዩ ብዘይፍርሃት ኣብ ቤት ክርስትያን ደው ምባል ገዲፎምኮፍ ከም ዝብሉ ኣብ ግዜ ጸሎት
         የእጋሮም ከም ዝሓልኩ ንገብሮም። ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ንየማን ንጸጋምነመላልሶም። ኣብ
         ልቦም ኣቲና ውጻእ ውጻእ ነብሎም። ከምዚ ስለዝገበሩ ከኣ መላእኽቲይጸልእዎምን
         ይፍንፍንዎምን። ሽዑ ንሕና ኣብ ቁጽጽርና ነኸነእትዎም ጥጡሕባይታ ንረክብ። ከምኡ’ውን
         ካህናትን ድያቆናትን ብድፍረትን ብትዕቢትን ናብ ቤተመቕደስ ኣትዮም ምስቂምን በቀልን ጽልእን
         ባእስን ክርክርነ ህልኽን ኣብ ልቦም ኣሕዲሮም ከምዝኣትዉ ንገብር።ከምኡ’ውን እቲ ድያቶን ይኹን
         ካህን ነቲ ንባብ ወይ’ውን ነቲ ዜማ እንተ ጸይቁዎ ከም ዝላግጹን ከምዝንዕቅዎም ንገብር። ክጽልዩ
         ከለዉ ንምዕራብ ናባይ ገጾም ክመዝጽልዩ ይገብር። መስተ ኣብዚሖምኣብ ቅድሚ ሰባት ሕማቕ
         ኣርኣያ ከም ዝኾኑ ንገብሮም። እቶም ንዕኦም ዝረኣዩ ድማ ንሃይማኖቶምንነቶም መራሕቶምን ከም
         ዝንዕቁ ንገብሮም። መጻሕፍትን ጸሓፍቶምን ክም ዝጸረፍዎም ኣነ ኸኣበቲ ዝኣምንዎ መጽሓፍ
         ክጸርፍዎም ምስ ዝስምዕ ኣዝዩ ደስ ይብለኒ። ኣቡነ ኣቢብ ነዚ ምስ ሰምዑመሪር ብኽያት በኸዩ። 
         ስለዚኸኣ ስለምንታይ ትበክን ትሓዝንን ኣሎኻ፤ እዞም ኩሎም ድያቆናትን ከሃናትን መኖኮሳትን
         ጳጳሳትን ከማኻ ኣይኮኑን እምበኣርከስ ክትሓዝነ ክትበክንእንተደሊኻ ምእንቲ እቶም ዳሕራይ ዘመን
     ዝወልዱ ደቂ ኣዳምብኸ፡ ሰለ ነገስታት ብኸ፡ ምእንቲ ጳጳሳት ብኸ፡ ምእንቲ መነኮሳት ብኸ፡ ምእንቲ
     ካህናት ብኸ፡ምእንቲ ድያቆናት ብኸ፡ ምእንቲ ኣቦታትን ኣዴታት ብኸ፡ ምእንቲ መንእሰያትነ
     ኣዋልድን ብዘይሕጊ ድንግልንኦም ንዝሙት ዝሸጡ ብኸ፡ ነዚኣቶም ኣብ ዝመጽእዘመናት ኣብ ትሕቲ
     መርገጽ እግረይ ናብ ሓጥያት ከስግዶም እየ። ፍቃደይ ክፍጽሙብዝመራሕኩዎምን ክኸዱ። ረሃጾም
     ነዓይ ከም ዝገብሩ ብኽያቶምን ኣውያቶምን ስለርእሶም ዘይኮነ ስለእቶምብሞት ዝሓለፉ ኣሕዋቶምን
     ኣዝማዶምን ጥቅሚ ዘይብሉ ብንብዓትን ሓዘንን ልቦም ከምዝሓርር ክገብርእየ። ኩሉ ኣምላኽ
     ዝገበረሎም ካብ ዓይኖም ሰዊረ ብልመዲ ከምዝነብሩ ኮይኑ ከርእዮም እየ።የዕሩኽተይን ፈተውተይን
     ክገብሮም እየ።ስለዚኣቶም ተማህለል። ኢሉ እቲ ፈታኒ ዘረብኡ ምስ ወድአ ኣቡነ ኣቢብ ብኽያቶምን
     ንብዓቶምን ካብቀዳማዩ ዳሕራዩ ገደደ።

ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!!!

No comments:

Post a Comment