Wednesday, June 27, 2012

በዓለ ማርያም ደብረሲና


እንቋዕ ናብ በዓለ እግዝእትነ ማርያም ኣብጽሓና።
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን።
ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና
ገዳም ፣- ማለት ገደመ ፣ ዱር ጫካ በረኻ ኮነ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሢ (ቃል) ዝወፀ ናይ'ቲ ግሢ ዘርኢ እዩ። እምበአር ገዳም ጸጥታ (ጽምዋ) ዝበዝሖ ። ብብዙሕ ዝተፈላለዩ ዓበይትን ንአሽቱን ኣግራብ ዝተሸፈነን ዝወቀበን። ብዙሓት ዓበይትን ንአሽቱን አራዊትን (እንስሳ ዘገዳም) ዝተፈላለዩ አዕዋፍን ዝርከብዎ አብ ተፈላለዩ ናይ ዓለምና ቦታታት ዝርከብ እዩ።

እምበአር ሓንቲ ካብ ገዳማት ሃገርና እታ ጥንታዊትን መሠረታዊትን ገዳም ደብረሲና እያ። እታ ካብ በዓቲ ብኢድ ኣምላኽ ዝተሓንፀት ገዳም ደብረ ሲና አብ ሰሜን ኤርትራ ዞባ ዓንሰባ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ከባቢ መንሳዕ ዝርከብ ጥንታውን ታሪኻውን ገዳም ኮይኑ፡ ካብ ዕላበርዕድ ንየማን ብእግሪ ክልተ(2) ሰዓት ምስ ተጓዓዝካ ይርከብ። እዚ ገዳም'ዚ ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ዝፅዋዕ /ዝስመ/ ክኸውን ከሎ ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ ይኽበር። 1ይ 21 ግንቦት 2ይ ድማ 21 ሰነ ኢዩ። ብሕልፊ በዓለ ማርያም ሰነ ብዓቢ ድምቀት ኢዩ ዝብዐል። አብዚ ክልተ ዓበይቲ በዓላት ብዙኃት አመንቲ ውላድ ዝሰአናን ብናብራ ዓለም ዝተሸገሩን ብበዓይነቱ ሕማም ዝሣቐዩን ናይ ሕሊና ጸሎትን መብጽዓን ይገብሩ'ሞ ድልየቶም ስለዝፍጸመሎም እቶም አመንቲ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ይበዝኁን ይውሰኹን። ገዳም ደብረ ሲና ካብ ጥንቲ ካብ ዘመን ብሉይ ኪዳን ጀሚሩ ሥነ-ሥርዓት አምልኾ ዝፍጸመሉ ከም ዝነበረ ታሪኽ ይሕብር። በዚ መሠረት ተታሓሒዙ ዝመጸአ ሃይማኖታዊ ልምድን ሥርዓትን ስለ ዝጸንሖ ብ332 ዓ.ም. አባ ሰላማ ብማርሳ /መርሳ/ ተኽላይ አቢሎም ናብ ሃገርና ብፍላይ ናብ ገዳም ደብረ ሲና አትዮም ንአርብዓ መዓልትታት ትምህርተ ክርስትና ብምሃብ ንዘይአመኑ እናእመኑን እናጥመቑን እናቝረቡን ጸንሑ። ከምኡ'ውን ኤዛናን ሳይዛናን ክልተ አኅዋት ነገሥተ አኽሱም ካብ አኽሱም ናብዚ ዝተጠቕሰ ገዳም ተጓዒዞም አብዚ ገዳም'ዚ ከም ዝተጠምቁን ከም ዝቖረቡን አብርሃን አጽብሃን ተባሂሎም ድማ ከም ዝተሰምዩን መጽሐፍ ገድሊ አብርሃን አጽብሃን ይነግር። ከምኡ'ውን ሓደ ሓደ አዋልድ መጻሕፍቲ ከም ዝትርኽዎ ብዘመን ሄሮድስ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ብስደት ናብ ምድሪ ግብጺ አብ ዝወረደትሉ ጊዜ ብመልአኽ ተሓቢራ ምስ ዮሴፍን ሰሎሜን ኮይና ክሳብ ገዳም ደብረ ሲና በጺሓ አስታት (4) ኣዋርኅ ከም ዝተቐመጠት ንንጉሥ ባዜን'ውን እዚ ነገር እዚ ብሕልሚ ስለ ዝተገልጸሉ ሠራዊቱ አኸቲሉ መጺኡ አብዚ ቦታ'ዚ ከም ዝተባረኸ ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ እዚ ቦታ'ዚ ዝተባረኸን ዓቢይን ስለ ዝኾነ አብ ዝመጽእ ጊዜ ብስመይ ታቦት ተቐሪጹ ክአትዎ ኢዩ ኢላ ንንጉሥ ባዜን ከም ዝነገረቶ ታሪኽ ይነግር። ብድሕሪ'ዚ ብዙኃት ቅዱሳን አቦታት መናንያን ብምኽንያት ፍቕሪ ቅድስት ድንግል ማርያም ብብሕትውናን ብሱባኤን አብኡ ንምንባር መረጹ።
ደብረሲና ተባሂላ ዝተሰምየትሉ ምኽንያት ተስዓቱ ቅዱሳን ሮማውያን፡ ፩ይ ኣፍጼ ፪ይ. አባ አረጋዊ፤ ፫ይ. አባ ጰንጠሌዎን። ፬ይ. አባ ገሪማ፤ ፭ይ. አባ ጉባ፤ ፮ይ. አባ ጽሕማ፤ ፯ይ. አባ ይምአታ፤ ፰ይ. አባ ሊቃኖስ፤ ፱ይ. አባ አሌፍ፤ ብ ፬፶፬ (454) ዓ.ም. ብዘመን አልአሜዳ ወዲ ሰልዓዶባ ካብ ሃገሮም ናብ ሃገርና መጺኦም ኣብ መንጽር ደብረ ሲና ብወገን ሰሜን ፍሉይ ስሙ አግዓሮ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ኮይኖም ክጽልዩ ከለው ከምቲ ሙሴ አብ ደብረ ሲና ዝረአዮ አብዛ ናይ ሕጂ ደብረ ሲና ዝተተኽለ ዓምዲ ብርሃን ረአዩ። ብድሕሪ'ዚ ናብቲ ዝረአይዎ ዓንደብርሃን እንተኸዱ ይሥወሮም። ከምዚ እናበሉ ፪(2) ግዜ ተደናጊሮም አብ ፫ይ(3) ግዜ መወዳእታ እቲ ዓንዲ ብርሃን አብዛ ሕጂ ዘላ በዓቲ ቤተክርስቲያን ተተኺሉ ጸንሖም። ማለት መንፈሳዊ ምሥጢር ብዘይ ፈተና ስለ ዘይግለጽ። ድሕሪ ብዙኅ ድኻም ቅድስት ድንግል ተገልጸትሎም። በዚ ምኽንያት ድማ ሙሴ ምስ አምላኽ አብ ደብረ ሲና ቃል ንቓል ንዝተዛራረበሉ ብምምስሳል ገዳም ሲሐት ትብሃል ዝነበረት ደብረ ሲና ኢሎም ሰመይዋ።
ካብ አግዓሮ ናብ ገዳም ደብረ ሲና ኪመላለሱ ከለው ቦታ ከይጠፍኦም ሓሓሊፎም እመት ዝአክል ጨርሒ እምኒ ሽዑ ዝጨርሕዎ ንመዘከርታ ዝአክል ክሳብ ሎሚ ህልዊ ኮይኑ ይነብር አሎ። ገዳም ደብረ ሲና ዝተመሥረተሉ ጊዜ፡ አባ ዮሐኒ ብ ፬፸፬ (474) ዓ.ም. ብዘመን ንጉሥ ገብረ መስቀል ወይ ካሌብ ምስ ብዙኅ ታቦታትን ምስ ብዙኃት መነኮሳትን ካብ ምድረ ግብጺ ናብ ሃገርና ምስ መጹ ብ፬፸፰(478) ዓ.ም ነቲ ብስም ማርያም ዘምጽእዎ ጽላት ጳጳስ አባ ናሆም ባሪኾም ናብዛ ሕጂ ዘላ ቤተ ክርስቲያን አእተውዎ።እዚ ዝተባህለ ገዳም ክሳዕ ሕጂ ጥንታዊነቱ ዓቂቡ ብማኅበርን ብመቝነንን ዝነብሩ መነንቲ መነኮሳት ሓቝፉ ትምህርተ ሃይማኖት እናሃበ ኣረጋውያን እናጠወረ ሕፃናት እናዕበየ መንፈሳዊ አገልግሎት ኣብ ምሃብ ይርከብ አሎ።
አብ ዓመት ፪ተ ጊዜ 21 ግንቦት 21 ሰኔን ኪኽበር ዝተገብረሉ ምኽንያት፣ አባ ዮሐኒ ኣብዛ ሕጂ ዘላ ቤተ ክርስቲያን በዓቲ አብ ውሽጢ ቤተ መቕደስ ብ፳ (21) ግንቦት ቆይሙ ኪጽሊ ከሎ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ጻድቃንን ሰማዕታትን መላእክትን አኸቲላ ካብ ፀሐይ እትበርህ ኮይና ብራእይ ስለ እተገልጸትሉ ብአምሳለ ደብረ ምጥማቅ ፳ (21) ግንቦት በዓለ ማርያም ከምዝብዕል ተገይሩ። ብ፳(20) ሰነ ድማ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሰማይ ወሪዱ ምስ 1፪ (12) ሐዋርያትን ቅዱስ እስጢፋኖስን ቅዳሴ ቍርባን ኪሠርዕ ስለ ዝረአየ ፳ን(20) ፳ን (21) ሰነ ሕንጸተ ቤታን ቅዳሴ ቤታን ከም ዚብዕል ተገይሩ። ብዛዕባ ሕንጸት ገዳም ደብረ ሲና፡ ቤተ ክርስቲያን ገዳም ደብረ ሲና መቅደሱን ቅድስቱን ብኢድ ሰብ ዘይተሐንፀ (ዘይተሠርሐ) መሠረት ዘይብሉ ብፍቓድ አምላኽ ዝተገብረ ዓቢይ በዓቲ እምኒ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ንአገልግሎት ዝጥቀሙሉ ዘለው ኢዩ። ንአገልግሎት ቅኔ ማኅሌት ጥራይ ብወገን ምዕራብ ምስቲ በዓቲ ለጊቡ ብ1951 ዓ.ም. ዝተሐንፀ ዘመናዊ ሕንፃ ከምዘሎ ይፍለጥ። መንፈሳዊ ትውልዲ ምንኩስና ደብረ ሲና፡ ካብ አባ ዮሐኒ ተተሐሒዙ ዝመጽአ ኮይኑ አብ ዳኅራይ ትውልዲ ግን ናይቲ ገዳም መነኮሳት ስለ ዝተሳእኑ ካብ ደብረ ቢዘን ሐሙሽተ መነኮሳት ከይዶም መምህር አሥራት ብኢዱ ዝተባህሉ ነቲ ገዳም ብጣዕሚ አንቀሳቒሶሞ። ብድሕሪኦም መምህር ፍስሓ ቦኽራይ ዝተባህሉ ተተኪኦም እዞም ሕጂ ብህልውና ዝርከቡ ካብአቶም ብምንኩስና ዝተወልዱ እዮም። ናይቲ ገዳም ናብራ ማኅበር ድማ አባ ዮሐኒ ብዝሠርዖ መሠረት ብሥርዓተ ጳኵሚስ ብሓድነትን ብመቝነንን ኮይኑ እዚ ናተይ እዚ ናትካ ዝብሃል የለን። ካብ ኵሉ ኵርናዓት ዓለም ብመልክዕ ምናኔ ንዝመጽእ ይቕበልዎ። ምሉእ መሰል ዘለዎ ወዲ ማኅበር ድማ ይኸውን።
ሓፈሻዊ ኵነታት ገዳም ደብረ ሲና፡ ደብረ ሲና አየሩ ዛሕልን ሙቐትን ዘለዎ ምጡን አየር ምስ ሰብነት ዝሰማማዕ ንጥዕና አዚዩ ልዙብ ዝኾነ ንፋስ ዘለዎ ገዳም እዩ። ቦታኡ እምንን ደንጎላን ዝበዝሖ ይኹን እምበር አብ ርእሲቲ ዓበይቲ ደናጉላ ደይብካ ኮፍ ኢልካ ከተማዕዱ ከሎኻ ግሉጽን ንጹርን ኮይኑ ኢዩ ዝረአ። አብ ከባቢ ገዳም ደብረ ሲና ዝበቍሉ አግራብ አውሊዕ፡ ቆልቋል፡ ጽሕዲ፡ ሰራው፡ ታህሰስ….ወ.ዘ.ተ እዮም። ካብዞም ዝተጠቕሱ አግራብ ተጸሚቑ ዝመጽእ አየር ንነበርቲ እታ ገዳም ሕይወትን ወዝን ይህቦም። ገዳም ደብረ ሲና ነቲ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ተተሐሒዙ ዝመጽአ መሠረት ዝኾነ ናይ ታሪኽ መጻሕፍትን ንዋየ ቅዱሳትን ብሥርዓት ተጠንቂቓ ዓቂባቶ ዝነበረት 1527 ዓ.ም ብወራር መሓመድ ግራይ ብዙሕ ናይ ታሪኽ ንብረት ስኢና ኢያ። ካብዚ ዝተበገሰ ርኡይ ተአምር መብዛሕተአን አዴታት አብ ግዜ ዓውደ ዓመት ካብ ኩሉ ኩርናዓት ናብዚ ገዳም እዚ ክውሕዛ ይረአያ።
ኣብቲ ዕለት ካብ ዝዝምርኦ ዝተፈላለየ መዝሙራት ገለ ገለ መሳጢ ዝኾነ ንምጥቓስ "አደይ ማርያም በዓልቲ ወለንሳ ኃዳጊት አበሳ""አደይ በዓልቲ በዓቲ ክፉእ ዘይትዝቲ""በዓልቲ ጉንዲ አውሊዕ ሲኦል ዘይተብልዕ" . . ወ.ዘ.ተ በዝን ብኸምዝን መዝሙር እናተሰነያ ብዘይ ምሕላል ዕረፍቲ ዘይብሉ ካብ ዋዜማ ጀሚረን ክሳዕ ጽባሕ እቲ በዓል ዓመት አስታት ፴፮(36) ሰዓታት ዘየቋርጽ ድምጺ መዝሙር ይስማዕ። እዚ ድማ ከም ተአምር ዝቑጸር እዩ። አዴታት ዓቐበትን አሳግድን ምዃኑ ከይአገመን ስንቅን ቀንጠመንጥን ተሰኪመን እየን ዝዝምራ።
ገዳም ደብረ ሲና ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ታሪኽ ዓቂቡ ብሥርዓት መነኮሳት አገልግሎት ቤተ ክርስቲያንን ጸሎትን በብግዚኡ ከከም አድላይነቱ ብሰዓታት ይበጽሕን ይግልገልን አሎ። ብወገን መግቢ ድማ ደወል ተደዊሉ ብሐደ ዓይነት መቑነን ይቐነን አሎ። ይኹን እምበር ህልዊ ኩነታት ገዳም አብ ሕርሻ ዝተመርኰሰ ስለ ዝኾነን ዘለዎ ናይ ሕርሻ ቦታውን ሰፊሕ ስለዘይኰነ ከምቲ ዝድለ እኹል ቐረብ የብሉን። ገዳማት ኤርትራ መሠረት ታሪኽን ምዕባለን ዓንዲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያንን ስለዝኾና አቦታት መነኮሳት ገዳማት ብግቡእ ዝእለይሉን ዘድሊ ቐረብ ዝረኽብሉን ባይታ ክጣጥሓሎም ዓበይቲ ዓድን ሕዝበ ክርስቲያንን ብጥርኑፍ አተሐሳስባ ገዳማት ዝርድኡሉን ዝምዕብሉሉን እናዘቴኻ ፍታሕ ምርካብ አድላይን አገዳስን እዩ። ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና ብሐጺሩ ነዚ ይመስል።
ቃል ኪዳን ስመይ ዝጸወዐ ዝኽረይ ዝገበረ ብስመይ ኣብኣ ዝጸለየ ጸሎቱ ክሰምዕ እየ። ናብዛ ቦታ እዚኣ ዝነገደ ናብ ጌቴሴማኒ መቓብረይ ከም ዝነገደ ክቖጽረሉ እየ ኢላ ብዙሕ ቃል ኪዳን ንኣባ ዮሓኒ ኣተወትሉ።እዛ ዕለት እዚአያ ድማ ደብረ ምጥማቅ ተባሂላ ተሰምየት።
ምንጪ፡ ልሳነ ተዋህዶ (lisantewahdo.org)

ምስባክ
ቀደሰ ማኅደሮ ልዑል እግዚአብሔር ውስተ ማዕከላ ኢትትሐወክ ወይረድኣ እግዚአብሔር ፍጹመ         መዝ.45-4-5
ኤፌ.212-ፍጻሜ።  1ይጴጥ.24-11 .ሓዋ. 112-15 ማቴ. 1613-20
ቅዳሴ ዘእግዚእነ (ነአኵተክ)

ወስብሐት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር። ኣሜን!

6 comments:

  1. We have a lot to tell to the world and our new generation. What you are doing is great.
    May the Church stand for you to witness your good work!
    DJ

    ReplyDelete
  2. Thank you very much Father Demeke Jembere for you support. Bereketin tselotin Adena Kidste Kidusan Dingil Mariam mis Kulna yikun Amen.

    ReplyDelete
  3. egziabher tsegu yebzehalka

    ReplyDelete
  4. Dear Ameney How are you doing there? I am no more receiving your blogs. What has happened there. I know you are great with God.
    I have no deep knowledge about Gedame Debre sinay. But I know it is one of the oldest. But tell me has any one made any research to proof it is not the Debre seny that the world knows between Egypt and Israel? Because with the little knowledge I have in the Bible Mosses used to live in our area and was married to one of our people at that time. Our fathers teaches us that Mosses learned about Government and leader ship from our people who then believed in God. Our border was also up-to upper Egypt. I am very much curious about Gedame Debre Seney!!!
    Yemebietachen Rediet Bereket Lehulachen Yehun!!!
    //DJ

    ReplyDelete
  5. Amlak mesakum ykun.xega yebzahalkum

    ReplyDelete
  6. nezi tgebrewo zelekum amlak xega yebzehalkum.ane gen reto aleni malet gele bezaeba hiwotna zhgez xhufat entezwexe hagazi mukone.ab hiwot bzuh menakl mekalf zkone neger alo kemey gerna nebsena bxelot neberte kab zelo nay hasbat newxi ke kemey gerna hdat nrekb kemey gerna ke kab kentu hasb nerf.bejakum bezeba ezi zkalekum entekoynu .amlak mesakum ykun

    ReplyDelete