Thursday, August 30, 2012

ጻድቅ ኣቦና አቡነ ተክለሃይማኖት


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
እንቋዕ ናብ ናይ ጻድቅ ኣቦና አቡነ ተክለሃይማኖት ዓመታዊ ክብረ በዓል ብሰላም ኣብጸሓና!
ጻድቅ ኣቦና አቡነ ተክለሃይማኖት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ።
ሰላም ለዝክረ ስምከ ዘጥንተ ፊደሉ መስቀል
ስም ክቡር ወስም ልዑል
ተክለሃይማኖት ማቴዎስ በዓለ ቀዳማይ ወንጌል
ከመ እወድስከ መጠነ አውሥኦተ እክል
ማእሠረ ልሳንየ ትፍታሕ ማርያም ድንግል።


ሰላም እብል ለአክናፊከ ስድስቱ
ዘመንገለ የማን ሠለስቱ ወመንገለ ፀጋም ሠለስቱ
ተክለሃይማኖት ወልድከ በረከትከ ይፈቱ
ሶበ ኀሠሠከ ጊዜ ኀድጎ ዕለቱ
ለረዲኦቱ ክንፈከ አስተፋጥን ሎቱ።
          መልክአ አቡነ ተክለሃይማኖት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!

<< ክቡር ሞቱ ለጻድቅ ብቅድመ እግዚአብሔር።
ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ሞት ቅዱሳኑ ኽቡር እዩ።>> መዝ.1156 (መዝ.1166)

(click for pdf) እዚ ቃል ዝተዛረቦ ልብ ኣምላክ ቅዱስ ዳዊት  እዩ። ሞት ንኹሎም ደቂ ኣዳም ዘይተርፍ እዩ። እዚ ብም ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፣ ካብ ጸቢብ ናብ ገፊሕ፣ ካብ ጊዚያዊ ናብ ዘልዓለማዊ ዝሰጋገሩሉ ድልድል እዩ። ቁምነገሩ ግና ብሃይማኖትን ምግባርን ጸኒዑ፣ ገድሊ፣ ትሩፋት ፈጺሙ ናይ ክብሪ ኣኽሊል ደፊኡ በረከትን ቃልኪዳንን ተቀቢሉ ክጽዋዕ ናይ ዘልዓለማዊ ጸጋ ዘውህብ እዩ። ነዚ ከምዚ ዓይነት ሞት እዩ ከኣ ክቡር ቅዱስ ዳዊት << ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ሞት ቅዱሳኑ ኽቡር እዩ። >> ዝበሎ። ነዚ ኽብሪ ካብ ዝበቕዑ ቅዱሳን ኣቦታት ሓደ ጻድቅ ኣቦና ኣቡነ ተክለሃይማኖት እዮም።

ኣቡነ ተክለሃይማኖት ቡልጋ ደብረ ጽላልሽ ወይ ኣብ ከባቢ ዞረሬ ቅዱስ ሚካኤል ቤተክርስቲያን ሰበኻ ካብ ኣብኦም ካህኑ ቅዱስ ጸጋዘአብ ካብ ኣዲኦም ቅድስቲ እግዚእኃረያ መጋቢት 24 ተጸኒሶም ኣብ ታሕሳስ 24 1197 ተወሊዶም። ኣብ ዝተወልድሉ ኣብ መበል ሳልሳይ መዓልቶም ታሕሳስ 26 ሰንበት ንግሆ ሰዓት ትሽዓተ (9) ካብ ሕቅፎ ኣዲኦም ወሪዶም  << አሐዱ አብ  ቅዱስ አሐዱ ወልድ  ቅዱስ አሐዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ >>  ኢሎም  ንሥላሴ ኣመስጊኖም እዮም።

ወለዶም'ውን ፍስሓጽዮን ኢሎሞም። ትርጋሜኡ ከኣ ናይ  ጽዮን ተድላ ሓጎስ ማለት እዩ።
ኣቡነ ተክለሃይማኖት ካብ ኣብኦም ካህን ቅዱስ ጸጋዘአብ ግብረ ዲቁናን ሥርዓተ ቤተክርስቲያን ድሕሪ ምምሃሮም ኣብ መበል 15 ዓመቶም ካብ ግብጻዊ ሊቀጳጳስ ኣቡነ ቄርሎስ ዲቁና ተቐበሉ። ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን'ውን ካብቲ ንኡስ ዕድሚኦም ጀሚሮም ከገልግሉ ጀመሩ።

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ጻድቅ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ምስ ኣዕርኹቶም ናብ ሃድን ምስ ከዱ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጹ። ንህዝበ ክርስቲያን ከገልግል ሓዲስ ሓዋርያ ጌሩ መረጾ ስሙ'ውን  <<  ተክለ ሃይማኖት>> ኢልዎ። ትርጉሙ ድማ ናይ አብ ናይ ወልድ ናይ መንፈስ ቅዱስ ተኽሊ ናይ ሃይማኖት ፍረ ማለት እዩ።

ኣቦና ኣቡነ ተክለሃይማኖት ሓዋርያዊ ጉዕዞም ክጅምሩ ከለዉ << ጐይታይን መድኃኒነይ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ መንግሥተ ሰማያት በሪ ክትከፍተለይ  ምእንቲ እንሆ ቤተይ ከምዝተኸፍተ ገዲፈልካ። ድኹም ስለዝኾንኩ ንዓይ ብጀካኻ ዘጸናንዓኒን ዝድግፈንን የለን። እንተወደቅኩ'ውን ብጀካኻ ዘልዕለኒ የለን። እንተሓዘንኩ'ውን ብጀካኻ ዘጻናዓኒ የለን። ንዓይ ንድኻ ብጀካኻ ጸግዒ የብለይን።>> (ገድለ ተክለሃይማኖት 282-3)   እዚ ኢሎም ትሕትና ብዝተመልኦ ዝተሰብረ ልቢ ናብ ፈጣሪኦም ድሕሪ ምልማኖም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብሓጥያት ወዲቆም ዝነብሩ ሰባት ናብ ገቢረ ጽድቅ፣ ካብ ክሕደት ናብ ሃይማኖት መሊሶሞም እዮም። ነዚ እዮም ከኣ ተክለሃይማኖት ጸሓይ ተባሂሎም።


ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ እብራውያን መልእኽቱ ብዛዕባ ቅዱሳን መንፈሳዊ ገድሊ ክገልጽ ከሎ፦እብ.11-34  <<ንሳቶም ብእምነት ንመንግሥትታት ሰዓሩ፣ ጽድቂ ገበሩ፣ ነቲ ተስፋ እተገብሮ ረኸቡ፣ኣፍ ኣናብስት ዓጸው፣ንሓይሊ ሓዊ ኣጥፍኡ፣ ካብ ስሕለት ኣስያፍ ደሓኑ፣ ካብ ድኻም በርትዑ  >> ከም ዝበሎ፡

v ኣቦና ኣቡነ ተክለሃይማኖት ብመንፈሳዊ ተጋድሎን ብትሕትናን ተኣምራትን ኣላዊ ዝነበረ ንጉሥ ሞቶሎሚን ናብ ክርስትና መሊሶሞ እዮም።
v <<ጽድቂ ገበሩ>> ከምዝበሎ ኣቦና ኣቡነ ተክለሃይማኖት ንወንጌል ብተጋድሎ ሕይወት ብተግባር ተርጊሞምዋ እዮም።
v <<  ኣፍ ኣናብስት ዓጸዉ>> እብ.11-34 ከምዝበለ ኣቦና ኣቡነ ተክለሃይማኖት  ናይ ኣራዊትን ገበልን ርእሲ ቀጥቂጦም እዮም።
v <<  ካብ ስሕለት ኣስያፍ ድሓኑ ..>> ከምዝበሎ ኣቦና ኣቡነ ተክለ ሃይማኖት   ሞቶሎሚ ካብ ዝወርወሮ ኵናት ብተኣምራት ዲኂኖም እዮም።
v << ካብ ድኻም በርትዑ>> ከምዝበሎ ኣቦና ኣቡነ ተክለሃይማኖት ብዘይ  ዕረፍቲ ብብዙሕ ተጋድሎ ብጾምን ጸሎትን ስግደትን ብብዙሕ መከራ በርቲዖም እዮም።

እዚ ኩሉ ገድልን ትሩፋትን እንዳፈጸሙ ጊዜ ዕረፍቶም ምስ በጽሐ ንደቂ መዛሙርቶም <<ደቀይ ኩሉ መንኵስ መንግሥተ ሰማይ ይኣቱ እዩ ማለት ኣይኮነን፣ ንዓለም ብዝግባእ ዝነዓቐ ጥራሕ እዩ፣ ዝኣቱ እምበር። መጀመርታ ናይ እግዚአብሔር ጽድቁ  ጥራሕ  ድለዩ፣  ጾምን  ጸሎትን  ኣዘውትሩ፣  ንሓድሕድኩም ተፋቀሩ፣  ትእዛዛቱ'ውን  ብግቡእ  ሓልዉ  እንዳበሉ ይመኽርዎም ኔሮም።..>> ዳሕራይ'ውን << ንዓለም ብርሃን ንዓይ ጸልማት ኮንኩ፣ ኣብ ቅድሚ ሓቀኛ ዳኛ ኣምላኸይ ኢየሱስ ክርስቶስ ደው ምስ በልኩ እንታይ ኢለ ክምልስ እየ። እንዳበሉ ብፍጹም ትሕትናን ብፍሉይ ተመሥጦም ይጽልዩ ኔሮም።>>

ኣብ መወዳእታ ኣቦና ጻድቅ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ኣብ ዕለተ ነሓሰ 24 ዓረፉ። በዚ መሠረት ቅድስቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያና ኣብዚ መዓልቲ ዕረፍቶም ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር  ዝኸበሩን ብዙሕ ክብሪ ዝተዋህቦም ጻድቅ ኣቦና ኣቡነ ተክለሃይማኖት በበዓመቱ ነሓሰ 24 በዓለ ዕረፍቶም ብዓቢ ኽብሪ ተኽብሮ።

እግዚአብሔር ኣምላኽና ካብ ናይ  ጻድቅ ኣቦና ኣቡነ ተክለ ሃይማኖት በረከትን ረድአትን ይኽፈለና። ናይ  ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት ናይ  ቅዱሳን ጻድቃን ተራዳእነት ኣይፈለየና።

ለተክለሃይማኖት ጻድቅ መጠነ ብዙኃ ሕማሙ
ትዌድሶ ደብረ ሊባኖስ ገዳሙ
እስመ በውስቴታ ተገብረ ፍልሠተ ሥጋሙ ወአጽሙ
እምነ አድባራት ኩሎን ዘተለእለት በስሙ
ኢየሱስ ክርስቶስ እንተ ቀደሳ በደሙ።

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር!

No comments:

Post a Comment