Sunday, February 26, 2012

ቤተ መቅደስ እግዚአብሔር (1)


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!

ናይ ቤተ መቕደስ ትርጉም

ቤተ መቅደስ ዝብል ሓረግ ናይ ክልተ ቃላት ኮይኑ    ቤት፣-ማለት  መሕድሪ ፣መንበሪ፣ ስራሕ ዝስርሓሉ  ጉባኤ ማኅበር ( ቤተ እስራኤል ቤተ ክርስቲያን ከምዝበሃል) ማለት ኪኸወን ከሎ፣ መቅደስ - ማለት ድማ መቀደሲ ፣መመስገኒ፣ መሥዋእተ ጸሎት መቅረቢ ማለት እዩ።

ስለዚ ቤተመቅደስ ዝብል ሓረግ ሓደ ቤተ እግዚአብሔር ናይ እግዚአብሔር መሕደሪ፣ ናይ ቅዱስ ስሙ መጸውዒ መቅደስ ኦሪት መቅደሰ ወንጌል፣ ቤተ ክርስቲያም ማለት እዩ።
ካልኣይ ማኅበረ እግዚአብሔር ጉባኤ ምእመናን ዝብል ትርጋሜ ክህልዎ ከሎ ክርስቲያን ንገዛእ ርእሶም ማኅደረ እግዚአብሔር ወይ ከኣ ናይ እግዚአብሔር መሕደሪ ምዃኖም ይገልጸልና

ኣብ ላዕሊ ከምዝረኣናዮ ናይ ቤተመቅደስ ትርጉሙ ግልጺ ንኽንገብሮ ብሠለስተ መገዲ ከፊልና ክንሪኦ ኢና።

.ናይ ክርስቲያን ሓድነት ( ጉባኤ ምእመናን) ቤተመቅደስ ይብሃል።- ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  << ክልተ ወይ ሠለስተ  ዀይኖም ብስመይ ኣብ  እተኣከቡሉ ኣነ ከኣ ኣብ ማእከሎም  እየ። >>  ማቴ.18-20 ብዝበሎ መሠረት ንሕና ምእመንና ክርስቲያን ክልተ ሠለስተ ኮይንና ስሙ እንዳጸዋዕና እንተተኣኪብና ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ኣብ መንጎና ተረኺቡ ጉባኤና ብጸጋኡ ይባርኸና። ስለዚ ናይ እግዚአብሔር መሕደሪ ዝኾነ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ( ጉባኤ ምእመናን ) ቤተ መቅደስ ተባሂሉ ይጽዋዕ።


2 .ክርስቲያን  (ሓደ ምእመን) ቤተመቅደስ ይብሃል። ብርሃናት ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ  መልእኽቱ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ናይ እግዚአብሔር መሕደሪ (ቤተመቅደስ) ምዃና ክገልጽ ከሎ      1ይቆረ. 3-16 <<ቤተ  መቅደስ ኣምላኽ ምኻንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሓዲሩ ምህላውንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ሓደ እኳ ነታ ቤተመቅደስ ኣምላኽ እንተኣማሰነ ኣምላኽ ከማስኖ እዩ። ቤተመቅደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ። እዛ ቤተመቅደስ እዚኣውን ንስኻትኩም ኢኹም። >> ይብለና።
ከምእውን ኣብ    1ይቆረ.6-19<< ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም እሞ ሥጋኹም ቤተመቅደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምኻኑ ናይ ርእስኹም̕ውን ከም ዘይኰንኩም̕ ኣይትፈልጡን ኢኹም ስለዚ ብሥጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብሩዎ። >>  ስለዚ ሓደ ምእመን ሰውነቱ ናይ እግዚአብሔር ብምዃኑ፣ ነፍሲ ወከፍ ምእመንና ናይ እግዚአብሔር ቤተመቅደስ ይበሃል።

3. ህንጻ ቤተመቅደስ ቤተመቅደስ ይብሃል። እግዚአብሔር ዝምለኸሉ ቅዱስ ስሙ ዝጸውዓሉ መሥዋእተ ወንጌል ዝሥወኣሉ
ክርስትያን ዝእከብሉ ቤተ መቅደስ ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ቤተመቅደስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ምስጋና ቦታ ስለዝኾነ እዩ። ኣብ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ህንጻ ቤተመቅደስ ናይ ቅዱስ ስሙ መጸውዒ ምኻኑ ተገሊጹ ንረኽቦ ኢና። << ሕጂ ከኣ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንዚጽለ ጸሎት ኣዒንተይ ኪኽፈታ ኣእዛነይ̕ውን ጽን ክብላ እየን። ሕጂ ድማ ነዛ ቤት እዚኣ ስመይስ ንዘልዓለም ኣብኣ ኪኸውን ኣዒንተይን ልበይን ከኣ ኩሉ ግዜ ኣብኣ ኪኾና ሓርየያን ቀዲሰያን ኣለኹ። >>  2ይዜና.መዋ.715   ብምባል ህንጻ ቤተመቅደስ እግዚአብሔር ንምእመናኑ ዝባርኸላን ዝቅድሰላን ጸጋኡ ዝዕድለላ ምዃኑ ይነግረና።

ኣብዛ ቤተመቅደስ እግዚአብሔር ፣ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ቅዱሳን መልኣኽቲ ቅዱሳን ሓዋርያት፣ጻድቃን ሰማእታት ዝርከቡላ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ምሕረቱን ጸጋኡን ንምእመናኑ ዝዕድለላ ቅድስቲ ቦታ እያ።

1. ናብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ክንኣቱ ከለና ዝገብሩ ምድላዋት

ጠቢቡ ሰለሙን << ናብ ቤት ኣምላኽ ክትከይድ ከሎኻ እግርኻ ሓሉ። >> መክ.5-1 ከምዝብለና ናብ ቤተ መቅደስ ክኸይድ ዝብገስ ምእመን ንእግሩ ምሕላው ማለት እግረ ሥጋኡ ካብ ዘይግባእ ቦታ እግረ ሕሊናኡ ካብ ሓጥያትን በድልን ምሕላው ይግባእ መዓስ፧ ብኸመይ ናብ ቤተመቅደስ (ቅድመ እግዚአብሔር) ምእታው ከምዘለዎ ፈሊጥና ክንዳሎ ይግባእ።

ናብ ቤተ መቅደስ ቅድሚ ምእታውና ኣቀዲሞና ክንገብሮም ዝግብኣና ምድላዋት ከም እግዚአብሔር ቅዱስ ፍቃድ ካብ ዝቅጽል ጽሑፍና ክንርእዮም ኢና።
ኣምላከ ቅዱሳን እግዚ አብሔር ጥበቡን ምስትውዓሉን ይግለጸለና።

.ናይ ልቡና ምድላዋት።

ይቕጽል…….  ብሰላም የጽንሓና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለመስቀሉ ክቡር።

Saturday, February 25, 2012

መዓልታዊ ጸሎት ሸውዓተ ሰዓታት


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ጾምና ይባርኸልና!
ቁጽሪ 2 ቅድስት የካቲት ፩፰/26(2004) . (2012)
ናይዚ ሰሙን ጽሑፍ መዓልታዊ ጸሎት ሸውዓተ ሰዓታት። ትብል እያ። ሠናይ ንባብ።

መዓልታዊ ጸሎት ሸውዓተ ሰዓታት

ወዲ ሰብ ካብ ፈተና ምእንቲ ክድሕን ኩሉ ግዜ ከየቋረጸ ናብ ኣምላኹ ክጽሊ ይግባእ። ነዚ እዩ ከኣ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ኣብ ማቴ.2641 << ናብ ፈተና ከይተኣዉስ ንቅሑን ጸልዩን።>>  ዝበሎም ንኣቦታትና ሓዋርያት።  ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ንምእመናን ደቃ በብዕለቱ ተጊሆም ናብ ኣምላኾም ምእንቲ ክጽልዩ መዓልታዊ ጸሎት ሸውዓተ ሰዓታት ክጽልዩ ሥርዓት ሰሪዓ እያ።

<<  ዘወትር ንኹሉ ምእመናን ዝተኣዘዘ ጸሎት ከኣ ናይ ሸውዓተ ሰዓታት ጸሎት እዩ፣>> ፍት.ነገ. አንቀጽ 14-543   ከምዝብለና። እዚ ኦም ክንጽልየሎም ከምዝግበኣና ኣቐዲሙ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ተገሊጹ ኣሎ። ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት << ስብዐ ለዕለትየ እሴብሐከ በእንተ ኩነኔ ጽድቅከ ፣ስለ ጽድቂ ፍርድኻ ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ግዜ የመስግነካ ኣለኹ። >> መዝ.118 (119) -164 ኢሉና እዩ። ውዓተ ሰዓታት ጸሎት እዞም ዝስዕቡ እዮም።

1  . ጸሎተ ነግህ ( ናይ ንግሆ ጸሎት)

ዝኾነ ክርስቲያን ካብ ድቃስ ምስ ተንሥአ መጀመርታ ምስ እግዚ አብሔር ክዛራረብ ኣለዎ። ንግሆ ዝሓደሮ ዘዕርግ መልኣኽ ኣሎ ዝሓደሮ ምብርካት መዓልቱ'ውን ምብራኽ ይግብኦ። ከሙኡ ከኣ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንዓመጻ እትጸልእ ኢኻ' ክበደ ንዋሙ ግርማ ሌሊት ብሰላም ሓሊኻ የሕሊፍካኒ ኢኻ' የመስግነካ ኣለኹ። ሰዓተ መዓልቲ ድማ ካብ ሓጥያት ኩሉ ክትሕልወኒ መዓልተይ ክትባርኸለይ እልምነካ ኣለኹ። ኢልካ ምጽላይ ኩሉ ክርስቲያን ክገብሮ ዝግባእ ተግባር እዩ። ቅዱስ ዳዊት መዝ.62-1።። << ኣምላኽ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ ኣንጊሄ እደልየካ ኣለኹ ነፍሰይ ንዓኻ ትጸምእ ኣላ።>>  ዝበለ ነዚ እዩ።

ካልእ'ውን ኣብዚ ሰዓት ኣቦና ኣዳም ኣይትብላዕ ዝተባህላ ናይ ሕጊ ኦም (እጸ በለስ) በሊዑ ካብ ገነት ዝተሰገሉ ሰዓት፣ ዳግማይ ኣዳም ጐይታና ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ስለና ክብል ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ዝቆሞሉ ( ደው ዝበለሉሰዓት እዩ። ማቴ.27-1 እዚ ሰዓት ኣዳም ዝተፈጥረሉ ስለዝኾነ ኩሉ ሰብ ካብ ዘርኢ ኣዳም  ስለዝተረኽበ ስለዝኾነ፣ ምፍጣረይ ንኽብሪ እምበር ንሓሳር ከይኮነኒ ካብ ሓጥያት ሓልወኒ ኢልና ንጽሊ። ቅዱስ ዳዊት መዝ. 5-3  << እግዚአብሔር ኣንጊህካ ንድምጸይ ትሰምዖ ኢኻ። ኣንጊሄ ልበይ ናባኻ ኣቕኒዔ አማዕዱ ኣለኹ። >> ከምዝበሎ ብነግህ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ንጸሎት ክንቀውም ይግበኣና።

2. ጸሎተ ሠለስቱ ( ናይ ሣልሰይቲ ሰዓት 9 )

እዚ ሰዓት ኣዴና ሔዋን ዝተፈጥረትሉ፣ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብሥራት መልአክ ዝሰማዕትሉ፣ ንሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ዝወረደሉ፣ ጐይታና ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ቀሪቡ ስለና ዝተገርፈሉ ሰዓት እዩ። ካልእ'ውን ተወሳኺ <<  ጊዜ ሠለስቱ ሰዓት ጸለየ ዳኒኤል ወአርኀወ ቤቱ >>  ከምዝብል ንዕዑ ኣብነት ጌሩ ከምኡ ከኣ ናይ ጐይታና ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ   መግረፍቲ እንዳዘከርና ምጽላይ፣ ብምኽንያት ሓጥያት ኣብ ገሃነም ኣብ ሓዊ ከይድርበ ብሕግኻን
ኣምልኾትካ ክጉዓዝ ርድኣኒ ብማለት ምልማን ይግባእ። ዳኒ.6-10  ዮሓ.19-1  .ሓዋ.2-15  ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ጣዕማን በረኸታን ረዲአታን ኣሕድረልና፣ ጽቡቅ ዜና ኣስምዓና፣ ካብ ናይ ሓዋርያት በረከትን ረዲኤትን ክፈለና ፣ንሶም ንስብከተ ወንጌል ክፈጥኑ ከምዝገበርካዮም ንዓና'ውን ጽቡቅ ምግባርን ስራሕን ክንሕዝ ግበረና ብምባል ንጽሊ።

3. ጸሎተ ቀትሪ (ናይ ሻዱሸይቲ ሰዓት 12 )

እዚ ሰዓት ሄኖክ ገነት ዝዓጠነሉ፣ ኣዳም ኣቦና ዝሰሓተሉ ፣ጸላኢና ዲያብሎስ ዝስልጥነሉ ድኻም ዝመጻሉ ሰዓት እዩ። ስለዚ ካብ ናይ ጻድቅ ሄኖክ በረከትን ረዲኤትን ክፈለና። ሓይሊ ኣጋንንቲ ኣርሕቀልና። ኣዳም ኣትግበር ዝብል ሕጊ ጢሒሱ ካብ ገነት ከምዝተባረረ ኣነ'ውን ብሓጥያተይ ምኽንያት ናብ ሲኦል ናብ ገሃነም ከይኣቱ ብሕግኻን ብትእዛዝካን ከምዝጉዓዝ ግበረኒ ካብ ሓጥያት ሓልወኒ ክንብል ንጽሊ። ቅዱስ ዳዊት ኣብዚ ሰዓት ይጽልይ ከምዝነበረ ክገልጽ ከምዚ ይብል <<  ሠርክ ወነግህ ወመዓልተ እነግር አየድዕ ወይሰምዐኒ ቃልየ። ምሸትን ብጊሓትን ቀትርን እቑዝም እህህውን እብል ኣለኹ፣ ንሱ ኸኣ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ።>> መዝ.54 (55)17
ብዓቢኡ ከኣ መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ድኅነተ ዓለም ክብል ኣብ ቀራንዮ ኣደባባይ ኣብ መልዕልተ መስቀል ዝተሰቅለሉ ስለዝኾነ ስለና ኢሉ ዝተቀበሎም ጸዋእተ መከራ እንዳዘከርናን እንዳሓሰብናን ክንጽልይ ይግብአና። ማር.15-25 ሉቃ.2344 ቅዱስ ዳዊት << ሣህል ወጽድቅ ተራከባ ጽድቅ ወሰላም ተሰዐማ። ለውሃትን ሓቅን ተራኸባ፣ ጽድቅን ሰላምን ተሰዓዐማ።>>  ይብል መዝ.64 (65)-10  ኣብ ካልእ ቦታ'ውን  ምሕረቱን ለወሃቱን እንዳሓሰብና ከነመስግኖ ከምዝግባእ ክገልጽ ከሎ <<  ለውሃትካ ካብ ሂወተይ ይበልጽ እዩ እሞ ከናፍረይ ኪውድሳኻ እየን።>> መዝ.62(63)-3

4. ጸሎተ ተስዓቱ (ታስዓይቲ ሰዓት 3)

ጐይታና ኣምላኽና መድኃኒና  ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድስት ነፍሱ ካብ ቅድስት ሥጋኡ ብገዛእ ሥልጣኑን ፍቃዱን ዝፈለየላን፣ ሸውዓተ አጽርሐ መስቀል ዝተዛረበሉ ሰዓት እዩ። ነዚ ከኣ ናትና ሞት ተቀቢሉ ናቱ ሂወት ከይበቀቀ ከምዝሃበና ብምሕሳብ << ንሞት ክቀትል ሞተ>> እንዳበልና ክንጽልይን ክንሓዝንን ክንበክን ይግበኣና። ሉቃ.23-46 ኣብዚ ሰዓት ሓዋርያት ናብ ቤተ መቅደስ እንዳኸዱ ይጽልዩ ኔሮም። .ሓዋ.3-1 << ጊዜ ተሰዓቱ ሰዓት ያዕርጉ መላእክት ምግባሮ ለሰብእ ኅበ ክርስቶስ >> ከምዝብል መላእክት ክፋእ ይኹን ጽቡቅ ናይ ሰብ ስራሕ ናብ ፈጣሪ ዘቅርብሉ ሰዓት ስለዝኾነ፣ ብዛዕባ ክፋእ ምግባረይ ንስሓ ኣትየ ምስ ኣምላኸይ ክዕረቅ ሓግዘኒ እናዳበልና ክንጽሊ ይግባእ። ቆርኔሌዎስ ዝተባህለ ሓለቃ ሚእቲ ኣብ ተሰዓቱ ሰዓት ኣብ ጸሎት ከሎ ናይ እግዚአብሔር መልኣኽ ናብኡ መጺኡ ብግሁድ ትርኢት ተራእይዎ እዩ። .ሓዋ.10-1 ስለዚ ንሕና'ውን ከምኡ ብጸሎት ክንተግህ ክንልምን ይግብኣና።

5. ጸሎተ ሠርክ (ናይ ምሸት ሰዓት 5)

እዚ ሰዓት ከይበደለ ዝተሰቅለ፣ ከይተፈርዶ ዝተቐትለ ጐይታና ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብኣካለ ሥጋ ናብ መቓብር ዝወረደሉ ስለዝኾነ እዚ እንዳሓሰብና ክንጽልይ ይግበኣና። ማቴ.27-8 ናብ መቓብር ምውራድካ ንኽብሪ ይኹነልና፣ ብሓጥያት ናብ ሲኦል ከይወርድ ጽቡቅ ምግባር ክህልወኒ ኣበርትዓኒ፣ ምስ ቡሩኻን ፈተውትኻ ደምረኒ ብምባል ክንልምን ይግበኣና። ኣብ ኦሪት ኣብዚ ሰዓት መሥዋእቲ ይቀርብ ኔሩ። ዘጻ.29-39-42 1ይነገ.18-29 ክቡር ቅዱስ ዳዊት'ውን << ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ከም ዕጣን ምልዓል
ኢደይ ከም መስዋእቲ ምሸት ይኹን።>> መዝ.140(141)-2 ኢሉ እዩ። ኣብዚ ሰዓት ዝወዓልናሉ ዘዕርግ መልኣኽ እግዚአብሔር ስለዘሎ፣ ንዝወዓልናዮ ከበርክተልና ንለይቲ'ውን ንኽባርኸልና ንጽሊ። ከሙኡ ከኣ ካብ መዓልታዊ ስራሕና ዘዕረፍካና እግዚአብሔር ኣምላኽና ብምምስጋን፣ ዝተረፈ ጊዜና'ውን ካብ ምስራሕ ሓጥያት ክሕልወና ብትግሃት ክንጽልይ ይግበኣና።

6. ንዋም (ጊዜ ድቃስ)

ጸሎተ ንዋም ናብ ድቃስ ቅድሚ ምዃድና ዝጽለይ ጸሎት እዩ። እግዚአብሔር ንደኽመሉ ናይ መዓልቲ ሰዓት ኣፈጺሙ ንዓርፈሉ ናይ ለይቲ ሰዓት ስለዝሃበናን ስለዘብጸሓናን ነመስግኖ። ኣብ መዓልቲ ካብ ኩሉ ኩፉእ ነገራት ካብ ናይ ሰይጣን ፈተና ሓሊኻ ስጋብ እዚ ሰዓት ዘጽናሕካና፣ እዛ ናይ ለይቲ ሰዓት'ውን ንሕና ከይፈለጥና ንስኻ ብትፈልጦ ካብ ዝመጻና ክፋእ ነገር ክትሕልወና ግርማ ለይቲ ብሰላም ከነሕልፍ ምእንቲ ሓግዘና ብምባል፣ ከሙኡ ከኣ ለይቲ ብሰላም  ድቃስና ክባርኸልና ምጽላይ ይግባእ። ቅዱስ ዳዊት << ኣብ
ምድቃሰይ ክዝክረካ፣ ብለይቲ እናነቓሕኩ ኽሓስበካ ከለኹ።>> መ.66 (67)-6ምባል ዝተዛረቦ ብልቦናና ንእግዚአብሔር ብምሕሳብ ንዋምናውን ንዑኡ ኣሕሊፍና ሓደራ ምሃብ ይግባእ። ድቃስ ንእሽተይ ሞት ስለዝኾነ። ንድቅሰሉ መደቀሲ'ውን  ድሕሪ ምማትና ንቕበረሉ መቓብር ምሳሌ እዩ። ሓደ ቅዱስ ኣቦ << ኩሉ ግዜ መደቀስየይ ኣብዛ ለይቲ መቃብረይ ክትኮኒ ትኽእሊ ኢኺ።>> ይብሉ ኔሮም። አበው << ሰብ ሞቱ እንድሕር ሓሲቡ ናይ ጽድቂ መገዲ ጀሚሩሎ።>> ይብሉ። ንሞት ዝሓስብ ብንስሓ ተሓጺቡ ተዳልዩ ክጸንሕ ከምዘለዎ ይፈልጥን ይርድኦን ስለዝኾነ እዩ። ስለዚ ኣብዚ ሰዓት ዝበጽሕ ጸሎት ናይ ንስሓ ጸሎት እዩ ምባል ይከኣል። ኣብ መዓልቲ ብምርኣይ፣ ብምሽታት፣ ብምስማዕ፣ ብምድህሳስ ዝሰርሓናዮ ኩሉ ይቅረ በለልና ብምባል ንሓትት። ብተወሳኺ'ውን እዚ ሰዓት ጐይታና ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት ሥርዓተ ጸሎት ዘርኣየሉን ዘምሃረሉን ስለና ክብል ዝተታሕዘሉ ስለዝኾነ ንዓና ኢሉ ምትሓዙን ብምሕሳብ ንጸሎት ተጊህና ምጽላይን ምልማንን ይግበኣና። ማቴ.26-38-43

7. መንፈቀ ሌሊት ( ናይ ፍርቂ ለይቲ)

ልበ ኣምላክ ቅዱስ ዳዊት <<  መንፈቀ ሌሊት ይትነሣእ ስለ ጻድቕ ፍርድኻ ኸመስግነካ ፍርቂ ለይቲ ኽትንሥእ እየ >> መዝ.118(119)62 ስለዚ ኣብዚ ሰዓት ካብ ድቃስና ተንሢእና ሓልዎተ እግዚአብሔር ምምስካርን ንስሙ ምቅዳስ ይግበኣና። ከሙኡ ከኣ እዚ ሰዓት ወልድ ዋህድ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሲ ነሲኡ፣ ኣብ መዋእለ ሄሮድስ ርጉም ኣብ ቤተልሔም መብልዒ ማል ዝተወልደሉ፣ ሙስና መቃብርን ኣጥፊኡ ብዓቢይ ኃይልን ሥልጣንን ዝተንሥኣሉ፣ ዳሕራይ'ውን ጽቡቅ ትግባረ ጽድቂ ዝገብሩ ጽቡቅ ዋጋ ክፋእ ንዝገበሩ ፍዳ ፍርዶም ንምሃብ ብግርማ መለኮት ብክበበ ትስብእት ብቅዱሳን መላእኽቲ ተዓጂቡ ብጎይትነት ይመጽእ ተባሂሉ ዝእመነሉ ሰዓት ስለዝኾነ ናቱ ምሕረትን ለውሃትን ውዕለታ ብምዝራብ ገሊጽና ምምስካር ይግበኣና። ከሙኡ ከኣ ኣብ ጊዜ ዳግማይ ትንሣኤ ናይ ክብሪ ትንሣኤ ንኽንትሥእ ኣብቅዓና እንዳበልና ምልማን ይግበኣና።  ቅዱስ ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከለዉ ኣብ መንፈቀ ሌሊት ተንሢኦም ንእግዚአብሔር ምስጋና ኣቅሪቦም እዮም። .ሓዋ.16-25 ቅዱስ አባ ይስሓቅ << ለይቲ ንእግዚአብሔር ንምምስጋን ዝተፈጥረ ፍሉይ ሰዓት እዩ። >> ይብሉ።

እግዚአብሔር ኣምላኽ በረከቱን ረዲኤቱን ምሕረቱን የብዝሓልና። ኣማላድነት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።


(For those who does n't have Geez try this PDF link) MEALTAWI TSELOT SHEWATE SEATAT
ወስብሐት ለእግዚአብሔር።
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለመስቀሉ ክቡር።