Sunday, March 25, 2012

ቤተ መቅደስ እግዚአብሔር (5)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!


ቁጽሪ 6 ገብርኄር መጋቢት ፩፮/25 (2004) 2012 .
ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ጾምና ይባርኸልና!
ቤተ መቅደስ እግዚአብሔር ክንኣቱ ከለና ክንገብሮም ዘለና ምድላዋት

 ኣፍ ደገ ቤተ መቅደስ (ደገ ሰላም) ምስላም

ብትእምርተ መስቀል ኣማዕቲብና ናይ ኣፍ ደገ ቤተመቅደስ (ደገ ሰላም) ብእምነት ክንሳለም ርእዮም ዝገርሞም ኣይሰኣኑን እዮም። ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ኣጸደ፣ ኣፍደገ፣ ኆኃተ ቤተመቅደስ መስኮት ምስላምና እሶም ከምዝሓስብዎ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። እዚ ኣጸደ ኣፍደገ ቤተመቅደስ እንሳለመሉ ዝተፈላለየ ምኽንያት ኣሎና። ኣብ ቤተመቅደስ እግዚአብሔርን ኣጸዱን ቀጽሩን ዙርያኡን ኩሉ ዝተንከፎ ስለዝቅደስ፣ እግዚአብሔር << ዘይቲ ቅብኣት ወዲስካ ከኣ ነቲ ማኅደርን ኣብኡ ንዘሎ ኹሉን ቅባእ ንዕኡን ንኹሉ ኣቓሑኡን ቀድሶ እሞ ቅዱስ ይኸውን። >> ዘጻ.409 እግዚአብሔር ቤተመቅደሱን ኣብ ዙያኡን ዘለዉ ኩሉ ክቅደስ ኣዚዙ እዩ። ደብተራ ኦሪት ክትከል ከሎ ናይ ሰለሞን ቤተመቅደስ ክስራሕ ከሎ ዙርያኡ ኩሉ ብቅብኣ ቅዱስ ተቀዲሱ እዩ። ናይ ቤተመቅደስ ኣፍ ደገ ምስላም፣ ምስዓም ዘድልየሉ ከኣ ነዚ እዩ። ህንጻ ቤተክርስቲያን ኣፍደጊኡ ብቅብኣ ሜሮን ዝኽበረ ዝተቀደሰ ስለዝኾነ ዝሳለሞ ዝስዕሞ ዝድህስሶ ኩሉ ይቅደስ እዩ::

1. ቤተ መቕደስ ናይ ክርስቶስ መሕደሪ ስለዝኾነ።

ቅዱስ ጳውሎስ ቤተክርስቲያን ናይ ክርስቶስ ኣካል እያ፣ ልብሱ፣ መቅደሱ እያ። ኤፌ.523: ይብለና:: ኣካል ክርስቶስ ካብ ጸጉሪ ርእሲ ስጋብ ጽፍሪ እግሪ ዘሎ ኩሉ ከምዝሕዝ: ቤተክርስቲያን ከኣ ናይ ክርስቶስ ኣካል እያ ክበሃል ከሎ ናይ ቤተክርስቲያን ኣካል ኩሉ የጠቓልል እዩ። ስለዚ ኣካሉ ዝኾነት እዚኣ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ምስላም ምድህሳስን ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ክዳኑ ዘፈር ተንኪፋ ዝተፈወሰት ሰበይቲ ናይ እምነት ጽንዓት ምልክት እዩ። ብእምነት ንዝሳለም ብእምነት ዝነብር ሰብ ናይ ቤተክስርቲያን ኣፍደገ፣ ኣጸዳ፣ ቅጽረ ቤተክርስቲያን ዘሎ ጸበል፣ ሓጽሩ ቅጽሩ፣ ናይ ውሽጥን ወጻእን ኩሉ ፈውሲን መድኃኒትን ይኾኖ።

2. ቤተ መቅደስ ናይ መለኮት መሕደሪ ስለዝኾነ

ቅድስቲ ቤተክርስቲያን (ቤተመቅደሱ) ናይ መለኮት መሕደሪ እያ:: ኣብ ሰማይ ብኽብሪ ዝነብር እግዚአብሔር ኣብ ቤተመቅደሱ ብረዲኤቱ ይሓድር። ቤተመቅደሱ ናይ ክብሩ መግለጺ ጌርዎ እዩ። << ሕጂ ድማ ነዛ ቤት እዚኣ ስመይስ ንዘልዓለም ኣብኣ ኪኸውን ኣዒንተይን ልበይን ከኣ ኵሉ ግዜ ኣብኣ ኪዀና ሓርየያን ቀዲሰያን ኣለኹ። >> 2ዜና.7-16። መዝ.132-7 << ናብ ማኅደሩ ንእቶ ኣብ መርገጽ እግሩ ንስገድ….>> ከምዝብለና ቤተመቅደስ ናይ እግዚአብሔር መሕደሪ ስለዝኾነ ኣፍደገኡ፣ ኣጸዱ፣ ቅጽሩ ኩለንታናኡ ዝተቐደሰ ብበረኸት ዝተመልአ እዩ። ስለዚ ናብ ቤተመቅደስ ዝቐርብ ሰብ ኩሉ እዚ እንዳሓሰበ ይሳለም።

ስለዚ ሰብ ኩሉ ናይ ቤተክርስቲያን ደገ ሰላም (ኣፍደገ) << ሰላም ለኪ ቤተክርስቲያን ኣምሳለ ኢዮርሳሌም ቅድስት። ቅድስት ዝኾነት ናይ ሰማያዊት ኢዮርሳሌም ኣምሳል ዝኾንኪ ቤተክርስቲያን ሰላም ይብለኪ >> እንዳበልና ክንሳለም ይግበኣና። 

ኣብ ቅድሚ ህንጻ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን (ቤተመቕደስ ) ምስጋድ:

ናብ ቤተመቅደስ እግዚአብሔር ንጸሎት ዝኣቱ ሰብ ማዕጾ ቤተመቅደስ ድሕሪ ምሳዓሙ (ምስላሙ) ኣብ ውሽጢ ቤተመቅደስ ንእግዚአብሔር ናይ ኣምልኮት (ናይ ባህርይ) ስግደት ክሰግድ ይግብኦ። ኣብዚ ብዛዕባ ቤተመቅደስ ስግደት ይግባእ ኢልና ክንዛረብ ከለና፡ በዘፈቀደ ተብጊስና ዘይኮነ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መሰረት ብምግባር እዩ። እዚ ምስ እንርኢ፣-

2.1. ንቤተመቅደስ ስግደት ከምዝግባእ

እስራኤል ዘሥጋ ምስ መራሒኦም ሊቐነብያት ሙሴ ሓቢሮም ኣምልኮተ ሥርዓት ዝፍጽሙሉ ኣብ ደብተራ ኦሪት ፊት ንፊት ተንበርኪኾም ይሰግዱ ኔሮም እዮም። ምኽንያቱ ናይ ዓምደ ደመና ናይ እግዚአብሔር ምግላጹ ምልክት፣ ድንኳን ከኣ ናይ እግዚአብሔር ናይ ክብሩ መግለጺ መሕደሪ ስለዝነበረ። ዘጻ.339-10 << ኮነ ከኣ ሙሴ ናብ ድንኳን ምስ ኣተወ እቲ ንዲ ደበና ኣብ ኣፍ ድንኳን ይቐውም ነበረ ንሙሴ ድማ ይዛረቦ ነበረ። ኩሉ ህዝቢ ድማ ነ ዓንዲ ደበና ኣብ ኣፍ ድንኳን ደው ኢሉ ረኣዮ ኩሉ እቲ ህዝቢ ተንሥኤ እሞ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣፍ ድንኳኑ ዀይኑ ይሰግድ ነበረ።>> ንጉሥ ሰለሞን ቤተመቅደስ እግዚአብሔር ብፍቓድ እግዚአብሔር ሰሪሑ ምስ ወደአ ታቦተ እግዚአብሔር ካብ ድንኳን ኣውጺኡ ናብ ቤተመቅደስ ድሕሪ ምእታዉ ቤተመቅደስ ብእግዚአብሔር ብርሃን ተመሊኡ። ኩሉ ህዝቢውን ኣብ ቅድሚ ፊት ቤተመቅደስ ሰጊዱ እዩ። <<ኩሎም ደቂ እስራኤል ድማ ምውራድ ሓውን ክብሪ እግዚአብሔርን ኣብ ልዕሊ እታ ቤት ረኣዩ፣ ኣብታ ብእምኒ እተራዕርዔት ቦታ ኸኣ ብገጾም ናብ ምድሪ ፍግም በሉ ሰጊዶም ድማ ንእግዚአብሔር ንሱ ሰናይ እዩ። ምሕረቱውን ንዘልዓለም ይነብር ኢሎም ኣመስገንዎ።>> 2ይዜና.732ሳሙ.1220 << ሽዑ ዳዊት ካብ ምድሪ ተንሢኡ ተሓጽበን ተለኸየን ክዳውንቱ ድማ ለወጠ፣ ናብ ቤት እግዚ አብሔር ኣትዩ ኸኣ ሰገደ። >> ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ ቅዱስ ዳዊት ቤተ እግዚአብሔር፣ ኣምላኽ ብኽብሪ ዝግለጸሉ ፍሉይ ስፍራ ምዃኑ ፈሊጡ ኣብራኹን ግንባሩን ኣብ መሬት ኣተንኪፉ ሰጊዱ እዩ። ልበ ኣምላክ ቅዱስ ዳዊት ንቤተመቅደስ እግዚአብሔር ምስጋድ ግቡእ ምዃኑ ኣብ መዝሙሩ ነጊሩና እዩ። << ኣነ ግና ብብዝሒ ሳህልኻ ናብ ቤትካ ኽኣቱ ብፍርሃት ናብ ቅድስቲ መቕደስካ ኣቢለ ኽሰግድ እየ።>> መዝ.57 ሎሚውን እግዚአብሔር ብዓይኒ ምሕረቱ ርእዩ በረከቱን ሳህሉን ዘብዝሓሉ ሰብ ከም ልበ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት ብፈሪሃ እግዚአብሔር ኮይኑ ኣብ ቤተመቅደሱ ይሰግድ። ብምስጋና ብምሉእ ልቡ ናይ ኣምልኮ ስግደት ይሰግድ። <<ናብ ማኅደሩ ንእቶ ኣብ መርገጽ እግሩ ንሰግድ >>መዝ.132-7 << ናብ ቅዱስ መቕደስካ ኣቢለ ኽሰግድ ንስምካውን ስለ ሳህልኻን ሓቕኻን ኢለ ኸመስግኖ እየ። መዝ.138-2

እስራኤላውያን ሊቀ ነብያት ሙሴ ዝተኸሎ ካብ ደብተራ ኦሪት (ድንኳን ኦሪት) ጀሚሩ ታቦተ እግዚአብሔር (ማኅደረ እግዚአብሔር) ዘለዎ፣ እግዚአብሔር ክብሩ ዝግለጸሉ ቤተመቅደስ ይሰግዱ ኔሮም እዮም።። እዚ ዝሰግድዎ ዝነበረ ስግደት ኣምላኻዊ ትእዛዝ እምበር ሰብ ዝሰርሖ ሥርዓት ወይ ሕጊ ኣይኮነን።

2.2 . ቤተመቅደስ እግዚአብሔር ካብ ቤት ጣኦት ዝተፈለየ እዩ።

ሓደ ሓደ ሰባት ንቤተመቅደስ ምስጋድን ንጣኦት ምስጋድን ሓደ ጌሮም ንምርኣይ ይፍትኑ እዮም።። እዚ ግና ዓቢ ጌጋ እዩ። ብመሰረቱ ቤተ መቅደስ ቤተ እግዚአብሔር ክበሃል << ምስአል፣ ወምስጋድ፣>> ዝፍጸመሉ እዩ። ምስአል ምስጋድ (መለመኒ መስገዲ) ዝብሉ ቃላት ሰብ ጸሎቱ ስግደቱ ንልዑል እግዚአብሔር ዝቐርበሉ ልዑል እግዚአብሔር ካብ ምእመናን ጸሎትን ስግደትን ዝቕበለሉ ቦታ ቤተመቅደስ ቤተ ክርስቲያን ምዃና ይገልጸልና። ቤተ መቅደስ ካብ ቤተ ጣኦት ከምዝፍለ ንምርኣይ ናይ ንጉሥ ሰለሞን ታሪኽ ንርኣይ።
ንጉሥ ሰሎሞን ብሞኣባውያን ደቀንስትዮ ፍቕሪ ተታሒዙ ኣብ ኢዮርሳሌም ፊት ንፊት ኣብ ዘሎ እምባ ንጣኦት መስገዲ ሰሪሑ።

ምስ ሞባኣውያን ንጣኦት ዝተሠውአ መሥዋእቲ በሊዑ። ንጣኦታትውን ሰገደ። ኣብዚ ግዜ ኣብ ኦሪት ዘዳግም 73-4 << እግዚአብሔር ኣምላኽካ ናብታ ኽትወርሳ እትኣትዋ ዘሎኻ ምድሪ ምስ ኣእተወካ ብዙሓት ህዝብታትውን ካብ ቅድሜኻ ምስ ሰጐጐልካ፣ ሔታውያንን ጌርጌሳውያን ኣሞራውያንን ከንኣናውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን ሾውዓተ ካባኻ ዚዐብዩን ዚሕይሉን ህዝብታት እግዚአብሔር ኣማላኽካ ኣብ ቅድሜኻ ኣሕሊፉ ምስ ዚህበካ እሞ ምስ እትወቕዖምን ፈጺምካ ኣጥፍኣዮም፣ ኪዳን ኣይትተኣታተዎም ኣይትምሓሮምን፣ ኣይትዋሰቦምን ጓልካ ንወዱ ኣይትሃቦ፣ ጓሉ ከኣ ንወድኻ ኣይትውሰድ።>> ተባሂሉ ዝተነግረሉ ትእዛዝ ኣፍሪሱ ኣብዚ ግዜ ንኣምልኾቱ ቀናእ ዝኾነ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ሰሎሞን ተቆጥዐ። << ስለዚ ከኣ እግዚ አብሔር ንሰሎሞን በሎ፣ እዚ ኣባኻ ስለ እተገብረ ነቲ ዝኣዘዝኩኻ ኺዳነይን ሕጋጋትን ድማ ስለ ዘይሓለኻዮ ነዛ መንግሥቲ ብርግጽ ካባኻ ቐዲደ ንጊልያኻ ኽህቦ እየ። >> ኢልዎ። 1ይነገ.1111

ኣብ ካልእ ስፍራ ጠቢቡ ሰሎሞን ንቤተመቅደስ እግዚአብሔር ሰሪሑ ምስ ወደአ ምስ ህዝቢ ኰይኑ ንቤተመቅደስ ምስጋዱን ሓቢሮም ምዝማሮምን ተጻሒፉ እዩ። ኣብዚ እዋን እግዚአብሔር ንጠቢቡ ሰሎሞን ብለይቲ ተገሊጹ <<<< ሕጂ ድማ ነዛ ቤት እዚኣ ስመይስ ንዘልዓለም ኣብኣ ኪኸውን ኣዒንተይን ልበይን ከኣ ኵሉ ግዜ ኣብኣ ኪዀና ሓርየያን ቀዲሰያን ኣለኹ። ንስኻ ድማ ኸምቲ ኩሉ ዝኣዘዝኩኻ ኽትገብር ሕጋጋተይ ፍርድታተይን ከኣ ክትሕሉ ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት እተመላለሶ ጌርካ ኣብ ቅድመይ እንተተመላለስካ ሽዑ ኸምቲ ነቦኻ ዳዊት ኣብ እስራኤል ዚገዝእ ሰብ ኣይኪሰኣነካን እዩ፣ ኢለ ኺዳን ዝኣቶኹሉ ንዝፋን መንግሥትኻ ኸጽንዖ እየ።>> 2ዜና፣716-18 ኢልዎ እዩ።

ጠቢቡ ሰሎሞን ንቤተመቅደስ ክሰግድ ከሎ ንእግዚአብሔር ደስ ኣቢልዎ እዩ። ብሕልሙ ተገሊጹ <<ነዛ ቤት ሓርየያን ቀዲሰያንንዝፋን መንግሥትኻ ኸጽንዖ እየ።>> ኢሉዎ እዩ። ንጣኦታት መሠውኢ ክሰርሕን ናይ ጣኦታት ምስ ከደ ግና እግዚአብሔር ኣዝዩ ሓዚኑ እዩ። ከምዚ ከኣ ኢልዎ <<ነዛ መንግሥቲ ብርግጽ ካባኻ ቐዲደ ንጊልያኻ ኽህቦ እየ።>> ኢልዎ እዩ። ኣብዚ ናይ ቤተመቅደስን ቤተ ጣኦትን ፍልልይ ብግልጺ ምርኣይ ይከኣል እዩ። ኣብ ቤተመቅደስ ምስጋድ ንእግዚአብሔር ምስጋድ ንእግዚአብሔር ምሕጓስ እዩ። ኣብ ቤተጣኦት ምስጋድ ግና ንእግዚአብሔር ምጉሃይን ኣብ ልዕሊኡ ምዕማጽን እዩ።

ክልቲኦም ፈጺሞም ዝተፈላለዩ እዮም። ቤተመቕደስ ምስ ቤተ ጣኦት ከራኽቦም ዝፍትን ሰብ ከስተውዕለሎም ዝግባእ ነዚኦም ግልጺ ዝኾኑ ሓቅታት እዩ። ንሕና'ውን ኣብ ዘመና ኣብ ቤተመቅደስ እግዚአብሔር ተረኺብና ፈጢሩ ንዝገዝእን ዝምግብን ኣምላኽና ብዝግባእ ክብሪ ሂብና እንተሰጊድና እንተጸሊና መነባብሮና ይመዓራረ ቤተና ብበረኸት ይመልእ። ዕድሜና ይነውሕ፣ ደቅና ይባረኹ። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ንዘልዓለማዊ ህይወት ዕዱማት ንኸውን። ብኣንጻሩ ንቤተ ጣኦት እንድሕር ተንበርኪኽና፣ ሰባት ዘቆምዎ ጣዖታት፣ ንጠንቓሊ ንዝተፈላለዩ ኣምልኮተ ባዕድ እንድሕር ሰጊድና ድማ ናብራና ሰላም ይርሕቆ ህይወትና ዝተመሳቐለ ይኸውን፣ ዕድሜና ይሓጽር ብእምነት ይኹን ብልምድ ዝወረሱ ደቆና ርጉማት ይኾኑ። ዘዳ.28

. ኣብ ዙርያ ቤተመቅደስ ዘለዉ ቅዱሳት ሥእላት ብኽብሪ ምስጋድ።

ይቕጽል……. ብሰላም የጽንሓና።
                                
ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር በረከቱን ረዲኤቱን የብዝሓልና። ወላዲተ አምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና። (For those who do not have Geez, please try this link) BETE MEKDES EGZIABHER (5)

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለመስቀሉ ክቡር!