Thursday, February 28, 2013

ፍቅሪ እምበር ሓሚመ( ሄለን መለስ)



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ አሜን!!!


ፍቅሪ እምበር ሓሚመ( ሄለን መለስ)
(Click For PDF)ዝተፈተኹም ናይ እግዚአብሔር ቤተሰብ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም አማላድነት፥ ናይ ቅዱሳን መላእክት ሓለዋ፡ ናይ ጻድቃን ሰማዕታት ተራዳእነት ኣመንቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ከመይ ቀኒኹም፤ ኣሜን !! መልስኹም “ኣምላኽ ይመስገን” ዝብል ንፈጣሪ ዘቐደመ ብምዃኑ እናመስገንኩ ኩሉ ግዜ ኣብ ቅድሜና ንኣምላኽ ክንሰርዖ ከምዘለና ዘመስክር ሓቂ እዩ። ሎሚ ናይ መዛራረቢ ዛዕባና ስለፍቕርን መግለጺታቱን እዩ። ብዝኾነ ብዛዕባ ፍቕሪ ካብ ብዙሓት ደረስቲ፡ ተላሃይቲ፡ ገጠምቲ፡ ኣዝየምቲ ኮታስ ዳርጋ ካብ ኩሉ ብኩሉ ኩርንዓት ዓለም ሰሚዕኩም ትኾኑ ኢኹም። ንፍቕሪ ክገልጹ ዘይተጠቅምሉ ናይ ፍልስፍና ቃላት የለን እንተተባህለ’ውን፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። በሉ ጉዕዞና ብሓንሳብ ይኹን እሞ፡ ስለፍቕርን መግለጺታት ፍቕርን እናዘተና ብሓንሳብ ክንጉዓዝ ዕድመይ የቕርበልኩም።
ሓደ እዋን እዩ ብኣጋጣሚ ኣብ ሓንቲ ኣውቶቡስ ተሳፊረ ኣመት ጉዕዞይ እናገበርኩ ምስ ሓንቲ መማህርተይ ዝኾነት ኤርትራዊት ይራኸበልኩም። ድሕሪ ሰላምታ ምልዉዋጥ ብዛዕባ ናይ ሃገርና እናዘክረና ዕላልና ንጅምር እሞ
“ንዘረባ ዘረባ የምጽኦ ንሓምድ ከኣ ዱግሪ የውጽኦ” ከም ዝተባህለ ሃንደበት ደርፊ ትፎቱ’ዶ፧ ትብለኒ መልሲ ከይሃብክዋ ከለኹ ኣጥብቕ ኣቢላ ሄለን ኣብ ናይ ፈረንጂ ሓደሽ ዓመት ኣብ ከተማና ኦታዋ መጺኣ ኔራ። መቸም ኣብቲ ጓይላ ተሳቲፍካ ሳዕሲዕካ ክትከዉን ተስፋ ይገብር፡ ምኽንያቱ ተምሳጥ ዘሕድር ቃላታ፡ ንጹራት መግለጺታት ፍቕርታታ ንኣእምሮኻ ቃንዩ ልብካ ብምውናን ዘወዛውዝ እዩ ትብለኒ። እንቅዓ ዝኸውን ድሕሪ ምስትንፋስ ንዘሓተተትኒ ሕቶ መልሲ ክህብ ጎሮረይ እሕ እሕ ኢለ እናኣጸራረኹ ከለኹ፡ ኣልግብ ኣቢላ ሄሉ ፍሉይ ድምጺ ኣለዋ። ብፍላይ እታ ሓዳሽ “ፍቅሪ ሓሚመ” ትብል ደርፋ ኣዝያ’ያ ንልቢ እትማርኽ፡ ምስ በለትኒ ንሳ እትወርደሉ ቦታ በጻሕና እሞ ንሳ ካብታ ኣውቶቡስ ወሪዳ ናብ መንገዳ ኣነ ከአ ኣብታ ዝነብርክዋ ቁጽሪ 95 ተሳፊረ ናብ ቤተይ ኣንፈትኩ። ዝተዛረበትኒ ዘረባ ከም ተራ ቃል ጓስየ ክሓልፎ ኣይደለኹን፡ ብዝከኣለኒ መጠን ነታ ዝበለትኒ ደርፊ ሰሚዐ መልሲ ክህበላ ከም ዘለኒ ሕሊናይ ደፋፍኣኒ። እዋእ ንምንታይ ናይ ቤተክርስቲያን ኣገልጋሊ እንከሎ ክሰምዓ ክኢሉ ኣይትበሉኒ፡ ምኽንያቱ ክሰምዓ ዝገበረኒ ናይ ደርፊ ምስማዕ ድሌት ወይ ባህጊ ስለዘለኒ ዘይኮነስ፡ እንታይ ደኣ ክሳብ ክንድ’ዚ ንኣእምሮ ኣደንዚዙ ንልቢ ሕዝብና ዝበሓተ ክፉእ ኣመል ንምርዳእን ዕሙቕ ዝበለ መፍትሒ ንምንዳይን እዩ። ከምዚ ኢለ ድማ ናብ ኢመይላ ጽሓፍኩላ።
በሊ ቅድሚ ኩሉ ስም ፈጣሪ ምጽዋዕ ናይ ጉዕዞ ቀዳምነት ናይ ናብራና ቅድመ ኩነት ስለዝኮነ ትስሕትዮ ኣይመስለንን። ሰላም ኣምላኽ ምሳኺ ይኹን። ከመይ ኣለኺ፥ ከመይ ቀኒኺ፥ መልስኺ እኳ ሳላ በዓል ሄለን እንታይ ተሳእነ ዝብል ከምዝኸውን ርግጸኛ እየ፡ ሰለምታይ ንደርፊ ኣብ ሕይወትኪ ከም ቀዳማይ ደርጃ ሰለ ትሰርዕዮ። እንተኾነ ግን ካብ ልሳንኪ’ውን መልሲ ክሰምዕ ምደልኹ። ሕጂ ደኣ “ፍቅሪ እምበር ሓሚመ” ሸምዲድኪ ሒዝክያ ከም መዘናግዒት ትጥቀምላ ትህልዊ ትኾኒ።። በሊ ኣነስ ኣብ ቤት እቲ ርህሩህ ኣምላኽ ክነብር ይጽዕር ሰለዘለኹ፡ ደርፊ ነቲ ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ዝግባእ ምስጋና ንባዕዲ ሰለ ዝህብ ኣነ ከም ደርፊ ገይሩ ንፈጣሪና ዘጒሂ ዘይክርስቲያናዊ ሥነ-ምግባር ዘሎ ኣይመስለንን። ሰለምንታይ ዘይምእዙዝነት ለቂቡ ናብ ዘይመልእ ናይ ሥጋዊ ስሚዒት ጋህሲ ስለዘንደልህጸካን ናብ ናይ ኣእምሮ ኵናት መሪሑ ሰላምካ ስለዝዘርግን እየ ። ከም መወከሲ ክኾነኪ ኣንጻር ሠናይ ከም እተቕንዕ ዝገብር ናይ ጥፍኣት ዕጥቂ እዩ። ንሄሮድስ ነቲ ንጹሕ ዝኾነ ጸራጊ መንገዲ ዮሓንስ ናይ ሞት ትእዛዝ ክብይነሉ ዝገበረ ናይ ጓል ሄሮድያዳ ናይ ሳዕስዒትን ውዝዋዜን ኣገባብ ተምሳጥ ስለዘሕደረሉ፡ ንስምዒቱ ተቖጻጺራ ኣንጻር እቲ ዝኣምነሉ ዕላማ ክስለፍ ከምዝገበረት ከዘኻኽረኪ ይፈቱ። ንሱ ንዮሓንስ ጻድቕ ምዃኑ እናፈለጠ ሕልንኡ እናተማጐቶ ከቕስኖ ዘይከኣለ፡ ሕማቕ ናይ ቅትለት ስጉምቲ ወሲዱ እዩ። ንዝያዳ ሓበሬታ ዝህበኪ ጥቕሲ ክትውከሲ ትኽእሊ ኢኺ። “ሄሮድስ ዮሃንስ ጻድቕ፡ ቅዱስ ሰብኣይ ምዃኑ ፈሊጡ ይፈርሆ ነበረ እሞ፡ ይሕልዎ ኸኣ ነበረ …………. ብሓጐስውን ይስምዖ ነበረ። ሄሮድያዳ ኸኣ ተቐየመቶ፡ ክትቀትሎውን ደለየት፡ ግናኸ ኣይተኻእላን……………………..ጓል ሄሮድያዳ ድማ ኣትያ ሳዕስዔት፡ ንሄሮድስን ምስኡ ንዝተቐመጡን ከኣ ኣሐጐሰቶም። እቲ ንጉስ ነታ ጓል፡ ዝደሌኽዮ ለምንኒ እሞ ኽህበኪ፡ በላ……………ብኡብኡ ቐልጢፋ ናብ ንጉስ ኣትያ፡ ርእሲ ዮሃንስ መጥምቕ ሕጂ ሕጂ ኣብ ሒላብ ጌርካ ኽትህበኒ እደሊ ኣሎኹ፡ ኢላ ለመነቶ። እቲ ንጉስ ድማ ኣዝዩ ሐዘነ፡ ስለቲ ማሕላኡን ስለቶም መቓምጡን ግና ኪኸልኣ ኣይፈተወን።” ማር 6: 19-26 መዘዝ ናይ ደርፍን ፍጻሜኡን በሪሁልኪ ክኸውን ተስፋ እገብር።
እንተ ኣነ ግና ኣብዛ ዓለም ናይ ግሽነት ዘመነይ፥ ሃመይን ቀልበይን በታ ዘላትኒ ጸዓት፡ ኣፈይ ኣብ ዝኸፍተሉ ስም ፈጣሪ እናጸዋዕኩ ከሰዐይ ብመኣዲ ወንጌል ካብ መዝገብ ቃሉ ምዕንጋል እዩ። ኩሉ ግዜ ኣብ ሕይወተይ ዘይርስዓ ንሓሳብ ኣእምሮይ ዝቃነየት ቃል ኣላ “ኹሉ ንብረትኩም ንወንጌል ክርስቶስ ዝበቅዕ ይኹን” ስለዚ ካብ ፍቕሪ ኣምላክ ዝረሓቐ ልብን ካብ መንገዱ ዝተኣልያ ኣእጋርን እቲኣ ኣይትዓግብ እቲኤን ከኣ ኣይጸንዓ ሓዲግ እዩ። ስለዚ ሓንቲ ስድራ ብፍቕሪ ኣምላኽ ዝተሃንጸት ክትከውን ቅድመ ኩነት ዘየድልዮ ናይ ተፈጥሮ ሕጊ እዩ።ኣነ ራኢ ኣለኒ፡ ናይ ወትሩ ሕልመይ ብፍቕሪ ዝተነድቀት፡ ብሓልዮትን ለውሃትን ዝተሓጽረት ቃል ኣምላኽ ሕመረት ናይ ናብራኣ ዝገበረት፡ ስድራቤት ክምስርት። ርግጸኛ እየ ናይ ዘመንና ተላሃይቲ ቃላት እንተሰሚዐ ንመንፈሳዊ ጽምአይ ከርዊ ዓቀበትን መንደረጋሕን ጾር ዓለም ከምዝኸብድኒ ። ዝኸበርኪ መማህርተይ፡ ቤተ ክርስትያን እኮ ጩራ ብርሃነይ፡ ተስፋ ሕልመይ ዝገሃደላ ድምቕቲ ኮዀብ ኢያ። ኮዀብ ኣብ ግዜ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ጸልማት ከም ዝነግሥ፡ ኣብ ቀቢጸ ተስፋ ኣብ ናይ ባዶነት ሕይወተይ እትነግስ፡ ካብ ተዓጺፈ ዝተኾርሞኹሉ ደንበ፡ ቅንዕ ተብለኒ ኣማናዊት መርከብ ኖህ እያ ።
ሓንቲ ከዘኻኽረኪ ዝደሊ ነገር “ንስኻትኩም ናይ ዓለም ኣይኮንኩምን” (ዮሓ 15፡19) እትብል ቃል ፈጣሪ እያ። ዓለም ብኩሉ እንትናኣ ዘብለጭለጭ ነገር ዝተሰለመት ናይ ስሕበት ጠፍር እያ። እተብረቕርቕ ዕንቊ እትመስል ክንሳ ዘይመልእ ጉድጓድ ዝሓቖፈት፡ ናይ ዕንወት ታይታኒክ እያ። ክርድኣኪ ተስፋ ይገብር፡ ውሕስቲ እትመስል ግን ከኣ ናብ ናይ ሞት ማኣዝን እትመርሕ ቀስት እያ። ንስኺ ግና ሕያዊት ነፍሲ እትውንኒ ንዓለም የሕሊፍኪ እትነብሪ ፍጥርቲ ስለዝኾንኪ ናይ ዓለም ኣይኮንክን። ናይ መን ደኣ እየ ከይትብሊ፡ ናይቲ ንኹሉ ዝገዝእ ንኹሉ ዝመልኽ ፈጣሪ ኢኺ። ስለዚ እየ ኣንፈትኪ ናብ መርከብ ኖኅ ዝኾነት ቤተክርስቲያን ኣቕንዒ ዝብለኪ ዘለኹ። ምኽናያቱ ናይ ሓድነት ቅመማ ንቅማረ ዓለም ውዱቕ ጌሩ ምሥጢራዊ ቅማረ ስለዘግሃደ። ስለዚ ናይቲ ምስጢር ተኻፋሊት፡ ንባዶነትኪ ኣርሒቓ፡ ምልእቲ ንኽትኮኒ እትገብረኪ ናትክን ናተይን ዓለም ዝኾነት ደምበ ፍቕሪ ዝተሰምየት መርከብ እየ ዝዕድመኪ ዘለኹ። ስለዚ ናብታ ብኣኣ ዝሓስብ፡ ብመንገዳ ዝቕየድ ናተይ ዝብላ ኣማናዊት ዓለመይ ቅረቢ’ሞ ምስጢር ፍቕሪ ክትመሃሪ። ብዛዕባ ምስጢር ናይቲ ቅማረ ቀስ ኢለ ከብርሃልኪ እየ። ሕጂ ግን ትሕዝቶ ናይቲ ዘምለኽክዮ ደርፊ እናልዓልኩ ናይቲ ሓቂ፡ ስእሊ ክምጥወልኪ።
“ፍቕሪ ሓሚመ ኩሉ ነፍሰይ ዘብለኒ ስንእንእ፡
ልበይ ሮኽሚሹ ጌሩኒ ዘይትንሥእ፡
ዓይነይ ፈዚዙ ኣይርኢ ኣይሰምዕ፡
ፍቕሪ ሓሚመ ሃለዋት ዘጥፍእ”
በሊ ስምዕኒ ሓፍተይ ብዛዕባ ነፍሲ ከብርሃልኪ። ነፍሲ ረቃቅ እያ፡ ኣይትረአን፡ ኣይትጭበጥን፡ ኣይትድህሰስን፡ እያ። ስለዚ ቀዳማይ ጌጋ “ኣካላተይ ዘብለኒ ስንእንእ” እንተትብል እኮ ምሓሸ እምበር “ ነፍሰይ ዘብለኒ ስንእንእ” ምባል ግን ዘደንጹ እዩ። ስለዚ እዚ ዘነጽሮ ሓቂ እንተሎ ናይታ ተላሃይትን ሰዓብታን ኣፍልጦ ዝጸበበ ብቃና ዓለም ዝዘምብዐ ምዃኑ እዩ። ቀጺለ ከኣ ፍቕሪ ኣይሕመምን እዩ፡ ፍቕሪ ይንበር እምበር። ሕማም ንኣካላት እዩ ዘማስን፡ ፍቕሪ ግና ውሽጣዊ ሓጐስን ርግኣትን እዩ ዝፈጥር። እዚ ብስም ፍቕሪ ዘዝየመቶ ፍትወት ይበሃል። ኣብ ሞንጎ ፍትወትን ፍቕርን ዘሎ ፍልልይ ከም ርሕቀት ናይ ሰማይን ምድርን እዩ። ፍትወት ንናይ ስምዒት ህዋሳትካ ተቖጻጺሩ ካብቲ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ኣውጺኡ ናብ እንስሳዊ ኣተሓሳስባ ዝመርሕ ናይ ጥፍኣት ጎደና እዩ። በዚ ናይ ፍትወት ቃጸሎ ዝተለብለቡ ነቲ ሓቀኛ ናይ ተፈጥርኦም ሕጊ ስለዝዘንግዑ ፍጻሜኦም ክፉእ እዩ። ከይኮነ ኣይተርፍን ሄለን’ውን ብናይ ፍትወት ስምዒት ተለብሊባ፡ ንናይ ስምዒት ህዋሳታ ንምርዋይ “ባህ” እዩ ፈውሱ ኢሎምኒ ብምባል ዘነጸረት። ብዛዕባ ናይዚ ናይ ፍትወት ቃጸሎ ሓደ ኣብነት ክህበኪ እየ። ንሱ ከኣ ናይ ሳምሶንን ደሊላን ታሪክ እዩ። “……..ንሳ ኸኣ፡ ልብኻ ዘይምሳይ ክነሱ ደኣ ከመይ ጌርካ ኢኻ፡ እፈትወኪ እየ፡ እትብለኒ ዘሎኻ ሰለስተ ሳዕ ኣላጊጽካለይ ፡ እዚ ዓብዪ ሓይልኻ ብምንታይ ምዃኑ’ውን ኣይነገርካንን” በለቶ። ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝተዋህቦ ናይ ሓይሊ ምስጢር ንምድኻም ነቲ ብፍትወት ዝተቓጸለ ሳምሶን ሓባበለቶ፡ “ንሳ ኸኣ ኣብ ኣብራኻ ኣደቀሰቶ፡ ሓደ ሰብኣይ ጸዊዓ ድማ ነቲ ሾብዓተ ሽርበ ርእሱ ኣላጸየት፡ ክትመልኮ ኸኣ ጀመረት፡ ሓይሉውን ካብኡ ኸደ…….” መሳፍንት 16:17-19 ዝገርም እዩ ሳምሶን ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ርክብ ዝተቛረጸ ኣብ ናይ ፍትወት ባሕሪ ድሕሪ ምንስፋፍ “ብባህታ” ክረዊ ኣብ ዝሓሰበሉ ናብ ናይ ሞት መጸዋዕታ ከምርሕ ክኢሉ። ዝያዳ ነቲ ታሪኽ ብምልኡ ክተንብብዮ በዚ ኣጋጣሚ ዕድመይ የቕርበልኪ። ስለዚ እዚ ብስም “ፍቕሪ ሓሚመ” ዝተገልጸ ፍቕሪ ዘይኮነ ናይ ፍትወት ሰቓይ ምኻኑ ኣይትርስዕዮን ትኾኒ። ደሓር ከኣ እኮ ንሕና ከም ፍትወት ሥጋና ክንነብር ኣይተፈጠርናን። “እቲ ሓሳብ ሥጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን ኣይኰነሉን ድማ እዩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ሓሳብ ሥጋ ሞት እዩ፡ እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን እዩ። ……..እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ከም ሥጋ እንተ ነበርኩም፡ ክትሞቱ ኢኹም፡ ነቲ ግብሪ ሥጋ ብመንፈስ እንተ ቐተልኩምዎ ግና፡ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም እሞ፡ ከም ሥጋ ኽንነብር፡ ነቲ ሥጋስ ሰብ ዕዳኡ ኣይኰንናን።” ሮሜ 8፡6-13 ተባሂሉ ከም ዝተነግረና ብናይ ስምዒት ህዋሳትና ክንምራሕ ዘይኮነስ ንዕኡ ክንቆጻጸር ከምዘለና ዘነጸር ሓቂ እዩ።

ናብቲ ዝቕጽል ንርአ፦ ሄለን ኣብ’ቲ ናይ ደርፊ ግጥማ ቀጺላ ከምዚ እትብል
“ካብቲ ሕማማቱ ካብቲ ቃንዛታቱ፡
ገዲዱኒ እዋይ ዕምቆት ምስጢሩ፡
ዓሶ ዝሓመመ ፈውሲ መድሃኒቱ፡
ርእሲ ዝሓመመ ኣስፕሮ ፈዋሲቱ፡
ናተይ ግን ፍቕሪ ሕማሙ ከይኣኽለኒ
ከይጻወሮ ብምጽማም እናተቀናዘኹ ብሕማም ፍቕሪ፡
ፈውሱ ባህ እዩ ኢሎምኒ።”
ኣዝዩ ዝገርም እዩ፥ ዕምቆት ምሥጢሩ ንምፍላጥ ኣዝያ ከም ዝተሸገረት እያ እተዘንቱ ሓፍትና ሄለን። ፍቕሪ መን ምዃኑ ዘይምፍላጥ ንምርዱኡ ሽግር እዩ።
         ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ። ኣቱም ፍቁራተይ፡ ፍቕሪ ኻብ    ኣምላኽ እያ እሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐር” 1ዮሓ 4፡7-8
ዝገርም እዩ፡ በሊ ፍቕሪ ካብ ኣምላኽ ምዃኑ ከነጽረልኪ ኢለ ኣየ፡ ባዕሉ ኣምላኽ’ውን ፍቕሪ እዩ። እዛ ሓቀኛ ፍቕሪ እትህበካ ገጸበረከት እንታይ ምዃኑ ምፍላጥ’ውን ኣገዳሲ ይመስለኒ። ሰላምን ርግኣትን ሂባ ዘልዓለማውነት እተልብስ ናይ ሓቂ መጽሓፍ እያ።
         “ኲሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ሥጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን፡ እዚ ኻብ ዓለም እዩ
         እምበር፡ ካብ ኣቦስ ኣይኰነን። ዓለም ትሐልፍ እያ፡ ፍትወታ ኸኣ፡ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና
         ንዘለኣለም ይነብር።” 1ዮሓ 2፡16-17
ሕጂ እዚ ሄለን ዘዝየመትሉ ፍቕሪ ምሥጢሩ ኣበይ ተሰዊሩ ከም ዘሎ ዝጠፍኣኪ ኣይመስለንን። ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ናይ ሓድነት ምስጢር እዩ። ኣምላኽ ሰብኣይን ሰበይትን ጌሩ ፈጠሮም እሞ ሓደ ኣካል ኢኹም ከኣ በሎም። እንታይ ማለት ይኸውን፥ ምስጢሩ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ከም ኣካሉ ጌሩ ከፍቅሮ እሞ ነቲ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ከየሕዘኑ ተደጋገፍትን ተረዳዳእትን ኮይኖም ናይ ሓድነት መኣዲ እናተመገቡ ኣብ ዓውደ ምሕረቱ ክነብሩ እዩ።
         እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠረ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም ምእንቲዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ፡ ክልቲኦም ሓደ ሥጋ ይዀኑ ፡ ከም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን ?         ደጊም ሓደ ሥጋ እዮም እምበር ፡ ክልተ ኣይኰኑን ። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ ፡ ሰብ ኣይፍለዮ።”         ማቴ19፡ 4-6
እምበኣር መድሃኒቱ “ባህ” ዘይኮነ ከም ፈቓድ ናይ ሥጋስ፡ ንናይ ዓለም ቅማረ ዝቕይር ሰማያዊ ቅማረ ምቕማር እዩ። ዓለም ሓደ ተደመሮ ሓደ ይኸውን ክልተ ኢላ እያ እትቕምር፡ ስለዚ ብፍትወት ዝተቓጸለ ስምዒት ህዋሳት ድማ ከምኡ ኣብዚ ቅማረ ይነብር። እቲ ንስምዒቱ ዝገትእ ግና ነቲ ናይ ዓለም ቅማረ ብምፍራስ ሓደ ተደመሮ ሓደ ይኸውን ሓደ ዝብል ኣምላኻውን ሰማያውን ቅማረ እዩ ዝቕምር። እቲ ምስጢር ፍቕሪ እምበኣር ኣብዚ እዩ ዝጅምር። እቲ ንሰብ ዘይከኣሎ ብሓይሊ ኣምላኽ ግን ይከኣል። ስለዚ ምስጢር ዕምቆት ፍቕሪ ክበርሃሉን መድሃኒቱ ከኣ ከም ፈቓድ ኣምላኽ ምንባር ምዃኑን ክንጽረሉ ይኽእል እዩ።
ዝኸበርኪ ሓፍተይ ካብዚ ቀጺላ ሄለን ዝበለቶ እንተሎ፣ ናይ ሓኪም ናይ መድሃኒት መአዘዚ ወረቐት ዝህባ ንዘለኣለም ዝወሓጥ ብግዜ ዘይውሰን ዝብል ናይ ጠለብ ወረቐት እዩ። ነቲ ግጥሚ ጽሒፍካ ምዝርዛሩ ጽቡቕ ኮይኑ ስለዘይተረኣየኒ፡ ናብቲ ዝሓተቶ ሕቶ መልሲ ዝኾና ምቕራብ የቐድም። ቀዳማይ ነገር ብፍሩይን ድሙቕን ቀለም ብመሪሕነት መንፈስቅዱስ ንዝተጻሕፈ ኣምላኻዊ ቃል ትእዛዝ እንከለዋ ብዘይትርድኦ ጻሕጋር ማለት ዘይኑጹር ጽሑፍ ክእዘዘላ ምጥላባ ኣዝዩ ዘሕዝንን ዘጉህን እዩ። እዚ ዘመልክቶ ሓቂ እንተሎ ንሓቂ ንምፍላጥን ብጐደና ብርሃን ምምልላስን ስለዘይፈተወት’ዶ ይኸውን፡ በሊ ንስኺ’ውን ኣብዚ ዓንኬል ናይ ሓሸውየ ጸወታ ከይትኣትዊ እሞ መቐረት ናብራኺ ከይተጥፍኢ። ብዛዕባ እቲ ንዘለዓለም እናተዋሕጠ ዝነበር ናይ ፍቕሪ መድሃኒት ግን ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ሰፊሩ ዘሎ እዩ። “ሥጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ከተንስኦ እየ። ሥጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ፡ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ። እቲ ሥጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር፡ ኣነውን ኣብኡ። ዮሓ 6: 54-56 በሊ ተረዲኡኪ’ዶ፧ ኣምልኽ ፍቕሪ እዩ ኢልና ኔርና፡ ኣብ ኣምላኽ ዝነብር ከኣ ፍቕሪ ኣላቶ ኢልና ስለዚ ዘለዓለማዊ ምንባር ኣብ ፍቕሪ፡ ዘለዓለማዊ ኣምላኻዊ መግቦት የድልየና ማለት እዩ። እቲ ሓቂ እምበኣር እዚ እዩ።
እሞ ቀጺለ ብዛዕባ ፍቕሪ ቁሩብ መብርሂታት ክውስኸልኪ። ፍቕሪ እኮ ብእምነትን ሓልዮትን ዝበሃሉ መትንታት ዝተሰረተ ኣብ ተስፋን ምጽንናዕን ዝተነድቀ ኣዳራሹ ኤዶም ገነት ዝበጽሕ ሕንጻ እዩ። እዚ ሕንጻ እዚ ኩሉ ጌዜ እናተነድቀ ዝነብር እምበር ብናይ ግዜ ገደብ ተዛዚሙ ዝውዳእ ኣዳራሽ ኣይኮነን። ስለዚ መመሊሱ ይሕደስ፡ ብራኸኡ ይውስኽ፡ መጠን ጽንዓቱ ከኣ ይብርትዕ። ናተይ እምነት እዚ እዩ። ኣብ ሓቀኛ ፍቅሪ ምሃብ እምበር ምቕባል ዘይጠልብ ቅድመ ኩነት ዘሎ ይመስለኒ። ሰባት “ፍቕሪ ክሳብ ሞት ወይ መቓብር” ክብሉ ሰሚዕኪ ትኾኒ ኣነ ግን ሓቂ እዩ ዝብል አምነት የብለይን። ምኽንያቱ ፍቕሪ፡ ሓይሊ ሞት ዘይስዕሮ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከቕውም ዝኽእል ፍሉይ ሰሕበት ዘለዎ ናይ ተፈጥሮ ውህደት እዩ ምበልኩኺ። ኣምላኽ ንሰብ ኩሉ ምስ ኣዳለወ ኣኽቢሩ ፈጢርዎ፡ ብሓጢኣት ኣብ ዝሞተሉ ከኣ ንሰብ ብምውህሃድ ብሞቱ ንሞት ስዒሩ ፍቕሩ ገሊጹ። በዚ’ውን ኣየብቅዐን ንትንሳኤ ሕይወት ዓዲሙ ኣብ ፍቅሪ ዘንብር ዘለኣለማዊ ብልዒ ሕይወት ሂብዎ። እንታይ እሞ ክብለኪ እየ ዘይውዳእ ፍቕሪ ኣፍቂሩና፡ ንዘልኣለም ኣብ ፍቅሪ ክንነብር ዓዲሙና። ንሕና ግን ዘይነስተውዕል ሰባት ኮይንና ካብዚ ፍቅሪ እዚ እናዓለና ንፍትወት ንግዛእ ኣለና። ኣብ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ባዶነት ዘሎ ኮይኑ ኣይስምዓካን እዩ፡ ሰብ ዝደለዮ ይረክብ፡ ባህ ዝበሎ ይፍጽም፡ ክዛነን ክዘናጋዕን ክትርኢ እንከለኻ ትቐንእ። ግደ ሓቂ ግን ከምኡ ኣይኮነን ናይ ባዶነት ሕይወት ስለዝዓብለሎም እዮም ዝበዝሕ ግዜ ነፍሰ ቅትለት ዝፍጽሙ። ስለዚ ድሕሪ መጋረጃ ዘሎ ጉድ ገንጺልካ ምስ ረኣኻዮ፡  ናይ ባዶነት ሕይወት ከምዘሎን ብኸመይ ከምዝርሕቕን ትድነቕ። “እቶም ዚበኽዩ ኸም ዘይበኽዩ፡ እቶም ዚሕጐሱ ኸኣ ከም ዘይሕጐሱ፡ እቶም ዚዕድጉውን ከም ዘየጥረዩ ይኹኑ። ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ እዩ እሞ፡ እቶም በዛ ዓለም እዚኣ ዚጥቀሙ ኸም ዘይተጠቕሙ ይዅኑ።” እትብል ቃል ናይቲ ሓቀኛ ሓዋርያ ጳውሎስ ትዝከረኒ። ዝገርም እዩ ሎሚ ሎሚ መንፈስ ሰብ ገዚኡ ሒዝዎ ዘሎ መቁሕ ነፍሰ ፍትወት እዩ። ትዕቢት ነጊሡ፡ ሓጢኣት ሰፊኑ፡ ካብ ብርሃን ጸልማት ዝፍተወሉ ምፍጣርካ ዘጽልእ ዓለም። ሰብ’ውን ስለፍቅሪ ዘውርዮ ከም ናይ ዓለም ኣዘራርባ እዩ። ኣቱም ደቀየ፡ ብግብርን ብሓቅን እምበር፡ ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር። 1ዮሓ 3፡18 ከምዝበለና፡ እታ ናይ ግብሪ ፍቅሪ ምዑዝ ሽታ ገነት ክንሽትት እትገብር ጽርይቲ ንፋስ ሕይወት እያ።
ፍቕሪ ካብ ኤዶም ገነት ብዝውሕዙ ኣፍላጋት እናሰተየት እትዓቢ ተኽሊ ወይኒ እያ። ዘለላኣ ዘው ዝበለ ብፍረ ዝተባሕተ ብዕንባባን ጽገን ዘጌጸ ጨናፍራ ኣብ ትሕቲኣ ንክተጽልል እተብህግ መስሕብ ፍጥረት እያ። እወ ካብቲ ጉንዲ ወይኒ ዝኾነ ክርስቶስ እናተመገበት ናብ ሕዛእታ እትጽውዕ ናይ ነፍሲ ቀንዴል እያ። ስለዚ ንኹሉ ናብኣ ዘማእዘነ ሂባ ዘይትርብርብ፡ ኣደ ኩሉ ሥነ-ምግባር እያ። ኣብ መንገዳ ጽልኢ የለን፡ ቅንኢ’ውን ቦታ የብሉን። ብህድኣት እተመላልስ መሳልል ሰማይ እያ። ኣፍደጌኣ ርሒብ ምድርቤታ ገፊሕ ኣዳራሽ ሕይወት እያ።ስለዚ ሕማም ኣይሰማምዓን እዩ። እኳ ደኣ ንዝሓመመ እትፍውስ መድሃኒት እያ። ከመይ ደኣ እሞ ሰብ “ፍቕሪ ሓሚመ” እናበለ ዘዕነይነይ፡ ሓንሳብ ዘፍቀረ ጽሉል፡ ዕዉር፡ ጸማም እናተባህለ እንታይ ቅጽል ዘይተውህቦ፡ እቲ ሓቂ ካልእ ክንሱ ሓቂ ኣምሲሉ ብዘቁጸልጽል ቃላት ኣወቂቡ ንስምዒት ህዋሳት ቀስቂሱ ናብ ናይ ባዶነት ሕይወት ይመርሕ። ሰብ ዓሻ! ሓቂ መሲልዎ ናይ ተንኮል ጊድጓድ ኩዒቱ፡ መቓብሩ ብሽም ፍቕሪ የቀላጥፍ።
ስለዚ ብልቢ ዘፍቅረኪ መማህርተይ ካብዚ ናይ መቓብር ጉድጓድ ውጺ ናብቲ ዓውደ ምሕረት ዝኾነ ናይ ኣምላኽ ስፍራ ፍጠኒ። ስምዒትኪ ግትኢ ሥጋዊ ትምኒትኪ ደረት ግበርሉ እሞ ነቲ ናይ ፍቕሪ ምንጪ ዝኾነ ኣምላኽ ዝኸውን ልቢ ሃብዮ ሽዑ ግዚያዊ ባህታ ዘይኮነ ዘይውዳእ ሓጎስ ክትጽገዊ ኢኺ። በሊ ሓዝኒ እቲ ሰባኺ ኣብቲ መክብብ ዝተባህለ ናይ ጥበብ መጽሓፉ “ኣነ ብልበይ፡ እምበኣርሲ ብታሕጓስ ክፍትነካ እሞ፡ ባህ ይበልካ፡ በልኩ። ግናኸ እንሆ፡ እዚውን ከንቱነት እዩ። ንሰሓቕ፡ ዕሽነት ኢኻ፡ ንታሕጓስ ከኣ፡ እንታይ ትጠቅም? በልክዎም።” መክ2፡1-2 ብምባል ዝገለጾ እሞ ኣስተውዕልሉ። ሄለን እኮ “ባህ” እዩ ፈውሳ ኢሎምኒ እያ ኢላ፡ ግን ደድሕሪ ንፋስ ሙጒያይ ናይ ከንቱነት ከንቱ’ዩ ከኣ ተባሂሉ ኣሎ። እሞ ደኣ ነዚ ናይ ከንቱነት ሕይወት “ባህ” ኢኺ መሪጽኪ፡ ኣይፋልክን ዝሓብተይ። ስለዚ ሄለን ፍቕሪ ዝበለቶ ፍቕሪ ዘይኮነ ፍትወት ምዃኑ በሪሁልኪ ክኸውን ምሉእ ተስፋ ኣሎኒ።
ሰብ ሎሚ ዕላሉ ብዛዕባ ካልእ ሰብ ስለዝኾነ ብዛዕባ ገዛእ ነፍሱ ክዕልል ግዜ የብሉን። እንተኣዕለለ’ውን ብዛዕባ “ልዕል ኢልካ” ናይ ምርኣይ ስምዒታቱ ስለዝዓግቶ ኣብ ናይ ርእሰ ፍትወት ባሕሪ እዩ ዘንሳፍፍ። ስለዝኾነ እዩ ከኣ ናይ ባዶነት ሕይወት እናነበረ ብዛዕባ ባዶነት ካልኦት ክጽብጽብ ዕረፍቲ ዝስእን። “ነቲ ዘመን መርምርዎ ግዜ እንከለኩም ግዜ ዓዲግኩም ተጠቐሙ” ዝብል ሓዋርያዊ መልእኽቲ ኣይትርስዕዮን ትኾኒ። ስለዚ “ካብ ከምዚ ዝበለ ዘረባ ኣረገውትን ኣንስትን ርሓቕ” ዝብል ስለዘሎ ንከምዚ ዓይነት ዘረባ ዋጋ ኣይትሃብዮ። እዚ ዝብለኪ ዘለኹ ብዛዕባ ክህልወኪ ዝግብኦ ሕይወት ከዘኻክረኪ ኢለ እየ። ደሓር ከኣ እኮ ሓላፍነት ኣለኒ ሓቀይ። ስለዚ ኣብ ክንዲ በዚ ከምዚ ዝበለ ስምዒትካ ብሒቱ ናብ ዘይርጉእ ሕይወት ዝመርሕ፡ ግዝያዊ ባህታ ሓዲግኪ፡ ናብቲ ናይ ዘለኣልም ሕይወት ንኽትመጺ ይዕድመኪ።
እቲ ጉዕዞ ናብራኺ ምስ ፈጣሪ ከምቲ ዝግባእ ጌርኪ ንኽትምስርትዮ ኢለ እየ ዝላበወኪ ዘለኹ። እንታይ ይመስለኪ ካብ ፈጣሪ ዝተፈልየ ናብራ ከም ዝቃደረ መሬት እዩ። ቓድራ መሬት እንተተሓሪሱ ብዙሕ እዩ ዘፍሪ፡ ከምኡ ከኣ ብወንጌል ክርስቶስ ዝተሓርሰ ልቢ ምልኣት ይረክብ። ዘየተሓርሰ ቃድራ መሬት ግን መውዓሊ ከብቲ ኮይኑ ብኣራግጽ እዩ ዝጠፍእ፡ ከምኡ ከኣ እታ ካብ ኣምላኽ ዝረሓቀት ልቢ መውዓሊ ኣጋንንቲ ኮይና ብኣራግጾም ትንጥቕጠቕ። ስለዚ ካብቲ ኣብ ቀራንዮ ዝነትዐ ማይ ሕይወት፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊ መስቀል ዝተቖርሰ ብልዒ ዘለኣለም ኣይትፈለዪ። ብፍላይ ከኣ ኣብታ ኣማናዊት መርከብ ቤተክርስቲያን መጺኺ ነቲ ምዑዝ ዕጣን ሸትቶዮ፡ ነቶም ናይ ኣድህኖ ኣሳእል ዳህስሶዮም፡ ነቲ ማህሌት መላእክት፡ ጥዑም ቅዳሴ ሰምዕዮ፡ ንናይ ነፍሲ ኣቦኺ ሕተትዮም፡ ነቲ ናይ ትእምርቲ ምልክት ኣርማና ‘’መስቀል’’ ተሳለምዮ፡ ሽዑ እቲ ዘይበርሃልኪ ምሥጢር ፍቕሪ ኣብኡ ክትረኽብዮ ኢኺ። ንሕና ሃገርና ኣብ ሰማይ ዝኾንና ተስፋና ከኣ ዘለኣለማዊ ሕይወት ዝኾነ ናይ ፈጣሪ ናይ ኢዱ ስርሓት ኢና። ስለዚ እዩ “ሓደ እኳ ንርእሱ ኢሉ ዝነብር ወይ ከኣ ንርእሱ ኢሉ ዝመውት የለን፡ ብሕይወት እንተለና ወይስ እንተሞትና ናይ ክርስቶስ ኢና” ተባሂሉ ተነጊሩና ዘሎ። እዚ ኩሉ ዝብለኪ ዘለኹ ናብቲ ሓቅኛ ቦታ ፍቕሪ ክመርሓኪ ሓላፍነታውን ሞራላውን ግዴታ ስለዘለኒ እዩ።
እንተተኻኢሉ መደብ ትምህርቲ ሰንበት ትሳተፍሉ ኩነታት’ውን እንተተጣዓዕሚ ኣዝዩ ደስ ምበለኒ፡ ብዝዀነ ግን ወትሩ “ሰላም ለኪ ማርያም” ምባል ናይ ህይወትና በረኸት እንረኽበሉ ጐደና ስለዝኾነ ካብዚ ጐደና እዚ ኣይትተኣለዪ። ከምቲ ኣቦታትና ዝመሃሩና “ንስኻ ምሳይ እንተዘይኬድካ ሕይወተይ ትርጉም የብሉን” ምባል፡ ኣምላኽ ምሳኻ ንኽህሉ ዝገብር ናይ ዕድመ መጸዋዕታ እዩ። ዝኸበርኪ ሓፍተይን መማህርተይን፡  ኣነ ነቲ ብቓላት ክግለጽ ዝኽእል እየ ዝገልጸልኪ ዘለኹ ኣብኡ ምስ መጻኺ ግና ብቓላት ዘይግለጽ ናይ ሰላምን ርግኣትን ሕይወት ክትነብሪ ኢኺ። ምስ ‘’ኵሉ ብሰላም ንበሩ’’ ተባሂሉ እዩ እሞ ኣይትሕመቒ ንዅሉ ገጻት ሕይወት ብጽሕዮ፡ ነቲ ፍቅሪ ዘድልዮ ፍቅሪ፡ ነቲ ምጽንናዕ ዘድልዮ ምጽንናዕ፡ ነቲ ንኽትስእ ምድጋፍ ዘድልዮ ምድጋፍ፡ ነቲ ዝደኸመ ምብርታዕ፡ ነቲ ሕልንኡ ዝዓረቦ ከኣ ተስፋ ምስናቕ ናይ ሕልና ዕረፍቲ ዝፈጥር ሕጊ ኣምላኽ እዩ፡ እሞ ንምትግባሩ ኣይትሕመቒ። ብኸምኡ እያ ከኣ ፍቕሪ እትግለጽ። ንሎሚ ኣብዚ ይኣኽለኒ፡ ዝኾነ ሕቶ ወይ’ውን ክበርሃልኪ እትደልይዮ ነገር እንተሎ ግን ካብ ምዝራብ ዓዲ ኣይትውዓሊ። ኣምላኽ ቅዱሳን ኣብ ዘዘለናዮ ሰላሙ ይዓድለና። ቅድስት ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ፡ ቅዱሳን መላእኽት ብሓለዋኦም፡ ኩሎም ቅዱሳን ከኣ ብተረዳእነቶም ምስኩላትና ይዅኑ። መወዳእታና የጸብቐልና፡ ካብ ኩሉ ክፉእ ዘበለ ከኣ ይሓልወና።

ኣምላኽ ምስ ኩላትና!!!

ካብ መማህርትኽን ሓውኽን
ጴ . ወ____

12 comments:

  1. bteami des zembl amlak yihagzkum

    ReplyDelete
  2. This comment has been removed by a blog administrator.

    ReplyDelete
    Replies
    1. This comment has been removed by the author.

      Delete
  3. My God Blees you Brother, and May the prayer of saint be with u.

    ReplyDelete
  4. kal hiwetu yesmeana. AMEN. Ezi nkuluna ttekm tmhrti eya ab hiwetna kea lewti nktgebr tesfa ygebr.
    Amelak yhagzkum. It was realy good.

    ReplyDelete
  5. kale hiwet yesmealna. egziabher xegu yebzhalkum.

    ReplyDelete
  6. ኣምላክ ጸጋ የብዘሃልካ ነዚ ትምህርቲ ብምሃብካ

    ReplyDelete
  7. amlak kendy xega hibuka,amlak asbi hiwot yhabka

    ReplyDelete
  8. kale hiwet yesmealna.ኣምላክ ጸጋ የብዘሃልካ ነዚ ትምህርቲ ብምሃብካ AMINE HAWNA.

    ReplyDelete
  9. ኣምላኽ ጸግኡ የብዝሓልካ ብጣዕሚ ምሃሪት ኣምላክ ደጋጊሙ ይባርኻካ ዝሓወይ

    ReplyDelete