Saturday, March 16, 2013

ብቃልኪዳነይ ጸኒዐ ክጽበ እየ።





በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
ብቃልኪዳነይ ጸኒዐ ክጽበ እየ።
ዝኸበርኩም ኣኃዋትን አኃትን ኣብዚ ሰሙን ካብ ዘንበብኩዎ ከካፍለኩም ሠናይ ንባብ።
ሓደ ሰብኣይ ንንግዲ ካብ ዓዱ ናብ ካልእ ዓዲ ኪኸይድ ይሓስብ እሞ። ንበዓልቲ ቤቱ በዚ ነገር የማኽራ፣ ኮፍ ኢሎም ድማ ይመኽሩ ከምዚ ድማ ይብላ። ክብርቲ በዓልቲ ቤተይ ሓደ ሓሳብ ከማኽረኪ፣ ኣነ ንንግዲ ናብ ካልእ ዓዲ ንነዊሐ መገሻ ኪኸይድ እሞ ነጊደ ጺዒረ ላዕልን ታሕትን ኢለ መኽሰበይ ሒዘ ክምለሰኪ። ግና ንኽንደይ እዋን ማለት መዓስ ጊዜ  ከምዝምልስ ኣይፈልጥን እየ ክንደይ ዓመት ከምዝጸንሕ'ውን ሕጂ ክውስኖ ኣይክእልን እየ።  ስጋብ ዝምለስኪ ግና ዝኣክል ገንዘብ ኪገድፈልኪ እየ ። ንሳ ከኣ ብውሽጣ ምፍላዩ ዋላ ደስ እንተዘይበላ ግና ካብቲ ዝኸዶ መገሻ ከይትዕንቅፎ ብምስምማዕ ሕራይ በለቶ።
እቲ ሰብኣይ ብመንፈሳዊ ዝበርትዐ ስለዘይነበረ እንዳተወላወለ ቀጺሉ ከምዚ በላ << ዘሸግረኪ ፈተና እንተሎ ናይ ሓሳብ ሥጋ  እዩ። እሱ ከኣ ኣባኺ ገዲፈዮ ኣለኹ።>> ብምባል ዋላ ምኽሪ ከይለገሰላ ብንብዓት ተሰናቢታቶ ተፈላለዩ።



 ሰብኣይ ከይተመልሰ ነዊሕ ጊዜ ዀይኑ። ሰበይቲ ንመጻኢ እንታይ ከምዝኸውን ኣይፍለጥን እዩ ብምባል ንእስ ዝበለ እቶት ዘለዎ ቅልል ዝበለ ስራሕ ትሰርሕ ነበረት። ጊዜ እንዳነውኀ ምስ ከደ ግና ናይ ሥጋ ነገር እንዳበርትዓ መጸ። ብዙሕ ግዜ ዋላ እንተ ተዓገሰት ትዕግስታ እንዳተዳኸመ መጺኡ። ከምዚ ዓይነት ፈተና ከመይ ጌራ ከምትስዕሮ ስለዘይትፈልጥ፣ በዓልቤታ'ውን ምኽሪ ስለዝይኃባ እቲ ሓሳብ ኣብኣ ጥራሕ ኣውዲቕዎ ብምዃዱ፣ ንሳውን ነዚ  ከም ሙሉእ ነጻነት ቆጺራቶ ኣእምሮኣ እንዳተዳኸመን እንዳተሳዕረት መጸት።
ከምዚ ኢላ ከላ ኣብቲ ትሰርሓሉ ቦታ ዓይና ኣብ ሓደ ወዲ መሳርሕታ ዓለበ። እሱ ኣብ ዘለዎ ትኸይድ ኣብ ዘለዎ ትሕወስ፣ ብሓፈሻ እሱ ኣብ ዝርከብሉ ቦታ ትገብሮም ምንቅስቃሳት ንዕዑ ኣብ መጻወድያ ንምእታው ዝዓለሙ ኔሮም። እሱ ግና ዋላ ነዚ ኣይሓስቦን ኔሩ። ሓደ መዓልቲ ኣብ መገዲ ተጸብያ ትረኽቦ እሞ።  ከምዚ ትብሎ << ፍቓድካ እንተኾይኑ በይንኻ ከዛርበካ ደልየ ኔረ መዓልቲ ፈሊና ዘይንራኸብ።>>  ትብሎ እሞ። እሱውን በዚ ተሰማሚዑ ብቆጸሮ ይፈላለዩ።



ኣብቲ  መዓልቲ ቆጸሮኦም  ምስ ተራኸቡ። ድኅሪ ቁሩብ  ዕላል። ናብቲ ጉዳይ ቆጸራና ንእቶ ኢላ ፣ ዕላላ ብምቅጻል ካብ መጀመርታ  ኩሉ ታሪኽ ምስ ነገረቶ፣ ኣስዒባ ስምዒታ ክርድኣላን ድሌታ ክፍጽመላው'ን ሓተተቶ።
እሱ ቁርብ ድኅሪ ምሕሳብ ጸገም የብሉን ግና…….. ብምባል። ሓደ ታሪኽ ኪነግራ ጀመረ ብዛዕብኡ << ኣብ ላዕለይ ማኅደረ ትምህርቲ (ዮኒቨርስቲ) ከለኹ ካብ ዓቅመይ ንላዕሊ ዝዀነ ጸገም፣ ክጻወሩ ዘይከኣልኩ በጺሒኒ። እዚ ጸገም ክፈትሓለይ ዚኽእል ሓደ እግዚአብሔር ጥራሕ ምዃኑ ተረዲአ ንብዓተይ ናብ እግዚአብሔር ኣፍሲሰ። ኣብ ውሽጢ ጸሎተይ'ውን ፣ ኦ እግዚአብሔር ኣምላኸይ ካባይ ካብ ሓጥያተኛ ወድኻ ትወጽእ ጸሎት ሰሚዕካ ጸገመይ እንተፈቲሕካለይ፣ ካብዚ ላዕለዋይ ማኅደር ትምህርተይ (ዮኒቨርስቲ) ብሰላም ተመሪቐ ብሰላም እንተወጺአ፣ ሓደ ዓመት ሙሉእ ምሳሕ ሓንቲ ባኒን ብርጭቆ ማይን። ድራረይ ከኣ ባኒን ብርጭቆ ማይን ጌረ፣ ብዝከኣለኒ ከኣ እንዳጸለይኩን እንዳሰገድኩን ከኅልፎ እየ።>> ኢለ ተማጻቢዐ ኔረ። ኢሉ  ብምቅጻል፣ ሕጂ ኸኣ ሱሳ (60) መዓልቲ ተሪፈናኒ ኣለዋ። ምናልባት ፍቓደኛ እንተኾንኪ ሰላሳ (30) ንዓይ ሰላሳ (30) መዓልቲ ተማቒልና እንተወዲኢናየን ድኅሪኡ እንተእንውስን እንታይ ይመስለኪ? ኢሉ ሓሳቡ ኣቕረበላ።
ንሳ ከኣ ብጣዕሚ ኣኅዚንዋ። << እንታይ ዓይነት ጸገም ኮን ኣጋኒፍዎ ኔሩ ኢላ ? ትሓስብ ነበረት። ዀይኑ ግና በዚ ዘቕረበላ ሓሳብ ከኣ ደስ ኢልዋ። ዝተባኅለቶ ብግቡእ እንተፈጺማቶ ሕራይ ናይ ምባል ዕድሉ ኣዝዩ ዝሰፍሐ ክኸውን እዩ ኢላ ብምሕሳብ።
ብዝተባኅልዎ መሠረት ብሓደ ባኒን ብርጭቆ ማይን ገድላ ጀሚራ። መዓልታ ሓሊፉ ዕስራን ትሽዓተን (29) ምስ ገበረት፣ ኣብ ካልእ ጭንቀት ኣትያ። ኩሉ ነገራት ተቐያይርዋ። ቅድም ዝነበራ ስምዒት ሕጂ የለን። ናይ ሥጋ ነገር መድኃኒቱ ተረዲእዋ። ዘጨንቅ ዝነበረ ነገር እዚ እዩ። ሓሳባ ከመይ ትቀይር? ባዕላ ጀሚራ ባዕላ እምቢ ኣይከውንን እዩ ንምባል ኣዝዩ ስለዝኸበዳ ጨኒቕዋ።
 ኣብ መበል ሰላሳ (30) መዓልቲ ብመሠረት ቆጸርኦም ተራኸቡ። ዋላ ሓንቲ ኣማራጺ ኣይነበራን ኣብ ውሽጣ ጽንዓት ጌራ ብተስፋ እግዚአብሔር ዝዀነ ኩሉ ምስ ነገረቶ ድኅሪኡ << ብቃልኪዳነይ ጸኒዐ ንበዓል ቤተይ ክጽበ እየ። >> ብምባል ዘሸግራ ዝነበረ ፈተና ሥጋ ብኸምዚ ዓይነት ተጋድሎ ክትኃልፎ ከምእትኽእል ኣሚና። ኣብ ሓዳራ ብቃልኪዳና ከምትጸንዕ ነገረቶ።
 መልሳ ማዕረ ክንደይ ክስምዖ ከምዚኽእ ብምግማት ኣብ ልዕሊኣ ዝዘንብ ጸርፊ ኰነ ውርደት ዋላ ይምረር  ክትቅበሎ ተዳሊያ ኔራ።
እሱ'ውን ብምስጋና ኣዕንቱ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪረን ብምርኣይ እግዚአብሔር እንዳመስገነ ። ብፍሽኽታ ኩሉ ዝነገራ ሓቒ ከምዘይኮነ ነገራ። እዚ ዝገበረ ብጾም ብጸሎትን ኩሉ ፍትወተ ሥጋ ክንሥዕሮ ከምእንኽእል ፣ ኃይሊ ጾም ንኸረድኣ፣ ብተግባር ከምኅራ ኢሉ እዩ እምበር ንሓሳባ ደልይዎ ኣይኮነን። 
 በዚ ምኽንያት ከኣ ካብ ፈተና ሥጋ ዲኂና፣ ናብ መገዲ ንጽህናን ንስሓ ሕይወትን ክትጎዓዝ ጀሚራ ።
<<ጾም ትፌውስ ቁስለ ነፍስ፣ ወታጸምም ኩሎ ፍትወታተ ዘሥጋ፣ ወትምሄሮሙለወራዙት ፅሞና >> ጾም ቁስለ ነፍሲ ትፍውስ ኩሉ ፍትወታት ሥጋ ኣኅዲኣ ተጥፎኦም፣ ንመንእሰያት ጽሞናን ትዕግስትን ጸትታን ተምኀረና።>>
 ንሕና ከኣ ሕዝበ ክርስቲያን ካብዚ እንታይ ንመሃር ? ኣጽዋረ ጽድቂ ጾምን ጸሎትን ምጽዋትን ኩሉ ግዜ ስንቕና እንተጌና ነቲ ኩሉ ፈተና ዓለም ክንስዕሮ ንኽእል ኢና። እግዚአብሔር ኣብተን ዝኃበና ዕድመ ከም ቅዱስ ፍቓዱ እንዳተመላለስና  ፍረ ንስሓ ከነፍሪ አምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ኣብ ኩሉ ድኻምና ይደግፈና።
ጾምና ይባርኸልና። ይትባረክ አምላከ አበዊነ።
እግዚአብሔር ኣምላኽ በረከቱን ረዲኤቱን ምሕረቱን የብዝሓልን። ኣማላድነት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየን።
                                                                     ወስብሐት ለእግዚአብሔር።
                                                                     ወለወላዲቱ ድንግል።
                                                                     ወለመስቀሉ ክቡር።  


በረከቶም ጸሎቶምን ናይ ጻድቅ ኣቦና አቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ ኣይፈለየና።
 



 << ክቡር ሞቱ ለጻድቅ በቅድመ እግዚአብሔር። >>

                      << ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ሞት ቅዱሳን ክቡር እዩ።>>   መዝ.115(116)፣15።




No comments:

Post a Comment