Wednesday, July 31, 2013

ሰብ ክንእደኒ፡ ብዛዕባይ ኪዛረብ እምበር………………



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!
ሰብ ክንእደኒ፡ ብዛዕባይ ኪዛረብ እምበር………………
(Click to Read in PDF)ከባቢ ሰዓት 3፡00 ናይ ኣጋምሸት ሰንበት መዓልቲ ናይ ዓመተ 2010 እዩ ኔሩ። እቲ ኣብ ሞንጎ መንእሰያት መዛረብን መካትዕን ምንጪ ሸተኽበተኽን ኮይኑ ዝቐነየ ኣብ ሞንጎ ዓበይቲ ጋንታታት ዓዲ እንግሊዝ ዝካየድ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ዝካየደሉ መዓልቲ ብምንባሩ ልበይ እናተፈታተነኒ ከም ልሙድ ናብ ቤተክርስቲያን ተበገስኩ። መን ይስዕር? ክንደይ ብኽንደይ ይውዳእ? መንከ ሸቶ የመዝግብ? በዓል መን እዮምከ ዝስለፉ? ዝብል ሕቶታት እናውረድኩን እናደየብኩን ከይተፈለጠኒ ኣብ ኣፍ ደገ ቀጽሪ ቤተክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት በጻሕኩ። ኣብ ኣፍ ደገ ቀጽሪ ናይቲ ቤተክርስትያን ኣማዕቲበ ድሕሪ ምስላመይ፡ ካብ ቀንዲ ኣፍደገ ንየማን ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ትምህርቲ ሰንበት ኣምራሕኩ። ናይ ዕለቱ መርሓ ግብር ድሮ ጀሚሩስ ጸሎት፡ መእተዊ መዝሙር፡ ናይ ዕለቱ ወንጌል ሓሊፉ ናይ ዕለቱ ትምህርቲ ኣብ ምጅማሩ እየ ኣርኪበ። ኣብቲ ኣደራሽ ምእመናን ተማሀሮ ትምህርቲ ሰንበት ደቂ ተባዕትዮ ብየማናይ ወገን ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ብጸጋማይ ወገን ናይቲ ኣዳራሽ  ተቐሚጦም፡ ገለ ኣዴታት ከኣ ኣብቲ ቀንዲ ኣፍደገ ናይቲ ቀጽሪ ቤተክርስቶያን ብወገን ጸጋም ኮፍ ኢለን ነቲ ናይ ዕለቱ ትምህርቲ ኣብ ምክትታል ነበሩ። እቲ መምህር “ስለ እምነት ወንጌል ብሓንቲ ነፍሲ ምሳይ እናተጋደልኩም፡ ብሓደ መንፈስ ቀጥ ኢልኩም ከም እትቘሙ ምእንቲ ኽሰምዕ፡ ሓንትስ ንብረትኩም ንወንጌል ክርስቶስ ዚበቅዕ ጥራይ ይኹን።” ዝብል ካብ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝተወስደ ሓይለ ቃል መበገሲ ጌሩ እዩ ዝምህር ኔሩ።
“እስከ ብሓደ ሓሳብ፡ ብሓደ ልቢ ንኩሉ ገዲፍና’ዶ ብመንፈስን ብኣካልን ኣብዚ ኣለና፡ ወይስ ብኣካል ኣብዚ ቈምና ብሓሳብ ግን ኣብቲ ገዲፍናዮ ዝመጻና ዓለም ኣለና፥”  ሰባኺ ስብከቱ ይቕጽል።
እቲ ኣብ ውሽጠይ ንሓሳበይ ኣጊሹ ንመንፈሰይ ዝበሓተ መን ነጊርዎ ኢለ ብፍርሓት ተወረርኩ።” እቲ ዝኸፍአ ህያው ሬሳ ኬንካ ምንባር እዩ” ብምባል ስብከት ቀጸለ። እዋእ ሎሚ ናተይ ሕይወት እዩ ክነግረኒ መጺኡ መስለኒ ኢለ ኣጉረምረምኩ። ሰባኺ ነቲ ዘልዓሎ ኣርእስትን ርእሰ ሓሳባትን ካብ ቅዱሳት መጽሓፍሓይለ ቃላት ንኣብነታትን እናጠቐሰ ከራጉድከሎ ብዕምቆትን ውሽጠይ ስለዝተንከፎ፡ ንርእሰይ ክወቅስ ጀመርኩ። “ስለምንታይ ስምዒታውነት የጥቅዓና፥ ንምንታይ ብርእሰ ፍትወት ንቃጸል” ብምባል እቲ ውሽጣዊ ቁስለይ ክትንክፈኒ እንከሎ ከም እሾኽ ዝወግኣኒ ሸቕ ኣቢሉ ከሳቕየኒ ተፈለጠኒ። ኣነ ንርእሰይ ከም ኣገልጋሊ ቆጺረ፡ ከማይ የለን ብዝብል ስምዒት ተዋሒጠ፡ ብደጋኣዊ ትርኢተይ ፍጹም መሲለ ክርኣ ዝደሊ፡ ብውሽጠይ ግን “መን ከማይ” ብዝብል ናይ ትዕቢት ስምዒት ዝተቃጸልኩ ምዃነይ ክርደኣኒ ጀመረ። ሰብ ክንእደኒ፡ ብዛዕባይ ኪዛረብ እምበር ኣምላኽ ክሕጎሰለይ ኢለ ብልቢ ተበጊሰ ዝጎየኹሉ መዓልቲ ውሑድ እዩ። ስለዚ “ብሓደ መንፈስ ቀጥ ኢልኩም እትቖሙ” ኪብል እንከሎ ነቲ ፍቕሪ ኣሕዋት ኣህሲሰ፡ ኣነ ዝበልክዎ ስለምንታይ ዘይትግበር ዝብል ኣተሓሳስባይ ወቐሰኒ። ቀጺሉ እቲ ሰባኺ “ካብ መስዋእቲ ምእዙዝነት ይበልጽ” ብምባል ስብከቱ ኣብ ዝቐጸለሉ እዚ ናተይ ጉድ መን እዩ በብሓደ ከዕልሎ ውዒሉ፡ ኢለ ነፍሰይ ክፍትሽ ጀመርኩ።
መስዋእትን ምእዝዙነትን ዝብላ ክልተ ናይ ኣምልኾን ስነምግባርን ሓሳብ ብዝሰማዕኩ፡ ነቲ ሰባኺ ቀዲመዮ ናብ ናይ ንጉሥ ሳኦል ንንጉሥ ዳዊትን ዛንታ ተዓዘርኩኣብቲ ንዓመታት ዝቐጸለ ንመንፈሳዊ ዕቤት ዘየርኣኹሉ ናይ ቤተክርስትያን ናይ ኣገልግሎት ዘመነይ፡ ንመጀመርያ እዋን እየ፡ ነፍሰይ ኣብ ቅማረ ሳኦል-ዳዊት ኣቃንየ ደረጃ ምእዙዙነተይ ዘወዳድር ዘለኹነቢይ ሳሚኤልን ንጉሥ ሳኦል ብጉድለት ተኣዛዝነት ከምዝገሰጾ፡ ናይ ዕለቱ ሰባኺ’ውን ሕርሕራይ ጌሩ ገሰጸኒብኣንጻሩ ብኣምላኽ ከም ልበይ ዝኾነ” ዝተባህለ ንጉሥ ዳዊት ኣብ ርእስ’ቲ ዝነበሮ ተኣዛዝነት ንፍጹም ትሕትናን፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝያዳ ዝሕጎሰሉ ዝነበረ ግን ሓጥያት ኣብ ዝፍጽመሉ ብቕልጡፍን ብንጹህ ልብን ይጠዓስ ምንባሩ ጽቡቕ ጌሩ በርሃለይ
ኣነኸ? ክንደይ ግዜ በቲ ዘለኒ ዘይተኣዛዝነተይን ንሱ ዝወለዶ ሓጥያትን ተጣዒሰ? ሚእቲ ግዜ፡ ሽሕ ግዜ፡ ካብዚ ንላዕሊ። ቃል እግዚኣብሔር ብዝሰማዕኩሉ መጠን ልበይ ይስበር፡ እጠዓስ። እንተኾነ ግን ካብ ቀጽሪ ቤተክርስቲያን ኣብ ዝወጻሉ፡ ኣብ ልበይ ክዝራእ ዝወዓለ ቃለ እግዚኣብሔር ንፋስ ከም ዝብትኖ ሓሰር ይብተን። ጐይታ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ናይ ምስላ ዘራኢ ትምህርቱ ከም ዝገለጾ፡ እተን ሰለስተ ዓይነት ልብታት አናተበራረያ ንልበይ ፍረ ኣልቦ ጌረንኦ እየንሓንሳብ ብሰንኪ ትሪ ልቢ ካልእ እዋን ሰኣን ዓሚቕ ሰረት ወይ’ውን ብፍቕሪ ዓለምን ዝተመሃርክዎ ቃለ እግዚኣብሄር ኣብ ልበይ ምዕቋር ተሳኢኑኒ እዩኣብ ናይ ትምህርቲ ሰንበት ዓውደ ምሕረት ዝተመባጻዕክዎ ውሳነይ ሽዑሽዑ ይሰዓር፡ ጣዕሳይ ይጠፍእ፡ ልበይ ይፈታተነኒ። ናብ ናይ ቀደም ጠባየይ ይምለስ። ኩሉ ግዜ “ ሰይጣን እዩ ብከምዚ ዝፈታተነኒ” እናበልኩ ንነፍሰይ ምጥባር ድሮ ከም(ፍሉይ) ልሉይ መኸወሊ ድኽመተይ ካብ ዝጥቀመሉ ነዊሕ እዋን ኣቑጺሩ እዩ
ዝሓለፈ ጌጋታተይ ከም ፀሓይ ቀትሪ(ደሚቑ) ጐሊሑ ክራየኒ ጀመረጠንቂ ናይቲ እናሻዕ ብማይ ንስሓ ተተሓጺበ ኣብ ጭቃ ሓጥያት ምንግርጋረይ፡ ንይምሰል እምበር ልባዊ ጣዕሳ ዘይምንባሩ እዩ። ሰባኺ ስብከቱ ይቕጽል፡ ፈቲነዮ ዘይፈልጥ ጋሻ ጣዕሳይ ድማ ንብዓቱ ንውሽጢ የዛሪ። ናይ’ዚ ኩሉ ሽግረይ መፍትሒ ብጣዕሳ ተመሊስካ ናብ እምላኽ ምልማን እዩ፡ ክንደይ ግዜ ምስ ኣበ ነፍሰይ ተራኺበ፡ ሰሙናዊ፡ ወርሓዊ ብዙሕ ግዜ እዩ። እቲ ዝገርም ልበይ ክስበር ኣይከኣለን፡ ተለማሚደዮ፡ ለውጢ ዘይብሉ ሕይወት። ለካ ልበይ ብትዕቢት ተገዚኡ “ከማይ” የለን ዝብል ሓሳብ እዩ ናይዚ ኩሉ ሽግር። መስፈር ኣልቦ ትዕቢተይን ናይ መን ከማይ ባህርያተይን እናክምርምሮ መመሊሱ አርመመኒ። ሕሉፍ ሓሊፉኒ፡ ነቶም ፊደል ክርስትና ዘቑጸሩንን፡ መስቀሎም ዘሳልሙንን፡ ኣሰር ክርስቶስ ዘርኣዩኒ፡ ብጸለቶም ዝደገፉኒ፡ ጸባ ወንጌል ዘስተዩኒ፡ ናይ ንስሓ ኣቦይ ከይተረፈ ተዓበኹሎም። እወ፡ ኣብ ትሕቲ እግሮም ከምዘይተመሃርኩ፡ ብድልድሎም ምስ እግዚኣብሄር ከምዘይተራኸብኩ ብዙሕ ግዜ ተፈታተንክዎም። “ስለምንታይ እዮም ጽን ኢሎም ዘይሰምዑኒ፡ ስለምንታይ ናይ ሓጢኣተይ መቅጻዕቲ ከምቲ ዝግባእ ዘይህቡኒ” እናበልኩ ንብቕዓቶም መምዘኒ እምበር፡ ሕይወት ንምርካብ ኣይተጠቐምኩሉን። ስለዝኾነ እዩ መስለኒ ከኣ ነቲ ዝተዋሃብክዎ ቀኖና ከይፈጸምኩ እየ ነቲ ዝለመድክዎ ሓጢያት ዝደግሞ። ልቢ ሳኦል ከማን ክውሕደኒ፡ ኣነ ልቢ ፈርዖን እየተኣምር ኣብ ርእሲ ተኣምር ዋላ እንተ ተደራረበ ካብ ባሕሪ ኤርትራ ኣየድሕነንን እዩ” ነፍሰይ ምስ ፈንፈንክዋ ዝበልክዎ ቃል እዩ።
ሰባኺ ነቲ ኣብ ጎዳጉዲ ልበይ ሰሪቱ ኣብ መዓልታዊ ሕይወተይ ዝውቱር ዝነበረ መልክዕ ክርስትና ዝጎደሎ ባህርያተይ ሓደ ብሓደ ምዝርዛር ቀጸለ። ነታ ብየማናይ ኢዱ ሒዝዋ ዝነበረ መስቀሉ እናንቀሳቐሰ ብህዱእ ድምጺ ብዛዕባ ትዕቢትን ኣብ ካልኦት ምፍራድን ኣስፊሑ ምስባኹ ቀጸለ። መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺሉ ካብ መልእኽታት ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮማ ከምዚ እናበለ ብህድኣት ከንብብ ጀመረ።
ንሕናስ ኣብቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ እቲ ፍርዲ ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። እታ ኣብቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ እትፈርድ ባዕልኻውን እትገብሮ ሰብ፡ ካብቲ ፍርዲ ኣምላኽ እትመልቚዶ ይመስለካ ኣሎ ወይ ከኣ ሕያውነት ኣምላኽ ናብ ንስሓ ኸም ዚስሕበካ ሰኣን ምፍላጥካ ሃብቲ ሕያውነትን ጸዋር ምዃኑን ዓቕሊንዶ ትንዕቕ ኣሎኻ? ግናኸ ብትርኻን ብዘይ ምንሳሕ ልብኻን ነቲ ብመዓልቲ ቚጥዓን ምግላጽ ቅኑዕ ፍርዲ ኣምላኽን ዚወርድ ቊጥዓ ኣብ ርእስኻ ትእክብ ኣሎኻ።”

ናይ ዕለት ስብከት ካብ ኣርእስቱ ክሳብ ዝደቐቐ ዝርዝራቱ ናብ ሕይወተይ ኣዝዩ ይቐርብ ብምንባሩ ንልበይ ኣጨነቖ። ሎሚ እኳ ዝሓድገኒ ኣይመስልን እዩ፡ ንዓይ ሕይወተይ ኪነግረኒ ተላኢኹ እዩ መጺኡ በልኩ። ብፍላይ እቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጠቕሶ ዝነበረ ንባባት፡ ብትኽክል ንሕይወተይ ዝገልጽ ብምንባሩ ከስተንትኖን ምስ ሕይወተይ ከዛምዶን ብዙሕ ኣይተሸገርኩን። ብናይ ሓጢያት ጭቃ ዝተበላሸወት ነፍሰይ ከየጽረኩ፡ ብግብዝና ነሕዋተይ ክፈርድ ዝጎዪ፡ ናይ ካልኦት ሓጢያት ዝርእያ ኣዕይንትን ብዛዕባ ሕይወት ከልኦት ዝዛረብ ልሳንን እምበር፡ ኣብ ርእሱ ዘሎ በሰር ዘየለሊ ብምዃነይ ንዕሽነተይ ዘጋደደ እዩ። ስለ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ዘይጭነቕ፡ ልቡ ብፍቕሪ ዓለም ዝነደደ ወርደተኛ እናበልኩ ርእሰይ ገናሕክዋ። “ኣታ ኣብ ከምዚ ዝገብሩ ሰብ እትፈርድ ባዕልኻውን እትገብሮ ሰብ ካብቲ ፍርዲ እትሞልቕዶ ይመስለካ” እትብል ሓይለ ቃል ንውሽጢ ሕልናይ ሰርሲራ ብምእታው ኣብ መጋባእያ ሕልና ኣቖመትኒ። ናይ ዕለቱ ስብከት ከሳሲ፡ ሕሉፍ ህይወተይ ምስክር፡ ቃል እግዚኣብሄር ድማ ዳኛ ኮይኑ ኣብ መጋባእያ ሕልና ባዕለይ ንባዕለይ ፍርዳዊ መስርሕ ተተሓሓዝክዎ።

ኣብ ትምህርቲ ሰንበት ካብ ዝመላለስ ውሑድ ኣይኮነን፡ ኪኖ ምምልላስ’ውን ኣብ ስብከት፡ ጥርናፈ ኣባላት፡ ሥነ-ጽሑፍዊ ስርሓትን ካልእ በበይኑ ዝዓይነቱ ኣገልግሎት ማሕበርንጡፍ ተሳታፊ እየ። መብዛሕትኡ ዕማም ቤተ ክርስትያንን ማሕበርን ብናይ ሓባር ምትሕግጋዝን ሕድሕድ ምድግጋፍን ዝካየድ እኳ እንተኾነ፡ ኣነ ዝበልክዋ እንተዘይኮኑ ናይ ካልኦት ኣሕዋት ሓሳብ ከይትግበር ዕንቅፋት ምንባረይ ደሚቑ ተራእየኒ። ባህርያተይ እናከጸይፈኒ፡ ትዕግስትን ፍቕርን ደቂ ማሕበረይ እናጎልሓለይ ከደ።
ፍቕሪ ኣሕዋት ብዙሕ ሓጢያት ትከድን እያ” ቀጸለ ሰባኺ፡ ኣብዚ ግዜ ቀኒዐ ንኽጥምት ክሳብ ዝስእን ሕፍረት ተሰምዓኒ። እቲ ኣነ ዝበልክዎ ስለምንታይ ዘይፍጸም ዝብል ስምዒት ኣብ ልዕሊ ናይ ኣገልግሎት የሕዋተይ ዘሕደረለይ ቅርሕንቲ፡ ስለምንታይ ትነቕፉኒ ኢለ ዝረሓቕክዎም ደቂ ማሕበር ዘከርኩ እሞ ምኽኣል ሰኣንኩ። ባዶ ምዃነይ ተፈለጠኒ እሞ ንብዓተይ ንምዕጉርተይ ኣጠልቅዩ ጥብጥብ ክብል ጀመረ። ብትዝታ ሕይወት ተመርቀፍኩ፡ ክንደይ ሰባት ዓንቂፈ፡ ኣሰናኺለ፡ ኣቐይመ፡ እናበልኩ ንነፍሰይ ክፈርዳ ጀመርኩ።
መጋባእያ ሕልና ንኩሉ ኣብ ርእሰይ ዝተመስረተ ክሲ እኹል  ምስክርን ብቑዕ መርትዖታትን ስለዝነበሮ፡ እቲ ሰባኺ “ኣብ ርእስኻ ቁጥዓ ኣምላኽ ትእክብ ኣለኻ” ዝበሎ ቃል ኣባይ ይፍጸም ምህላዉ ተረደኣኒ። መን ኮን’ዩ ካብዚ ቁጥዓ ከናግፈኒ ዝኽእል፧ መን’ዩ’ኸ ካብ መጋባእያ ናብ ደንበ ኣባጊዕ ከሳግረኒ ዝኽእል፧ መን’ዩ’ኸ ነዚ ዕዳ ከፊሉ ንነፍሰይ ክሻየጣ ዝኽእል፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት እናልዓልኩ ነታ ኣብ ኣፍ ሞት ተቓቒራ ዝነበረት ነፍሰይ ከጨንቓ ጀመርኩ። ድኻመይ ብኡ ብኡ ነጸረለይ፡ንርእሰይ ፈተሽኩ፡ ካብ ንኣገልግሎት ክዕሶ ንምዕዛብ፡ ካብ ትሕትና፡ፍሉይ ኰንካ ልዕል ኢልካ ምርኣይ፡ ካብ ምስ ሕይወትካ ምዝራብ ብዛዕባ ካልኦት ምዝራብ፡ ዘቐደምኩ ኣብ ኣርዑት ሓጢያት ዝተመላለስክዎ ዘከርኩ። ኮታ ዝሓለፈ ሕይወተይ ለውጢ ዘይነበሮ ብናይ ዓለም ፍትወት ዝተዓብለለ ከም ዝነበረ ኣረጋገጽኩ። በቃ ሎሚ ኣብዚ ከብቅዕ ኣለዎ በልኩ። ልቦናይ ረትዓኒ፡ ብሕልናይ ቆሪጸ ተለዓልኩ። ኣብ መጋባእያ ዝተረትዐ ሰብ [ክሱስ] እታ እንኮ መውጺኢቱ፡ ንጹህ ጠበቓ ምርካብ ብምዃኑ ኣነ’ዉን ጠበቓ ኮይኑ ዝቖመለይ ብሓሳበይ ከናዲ ጀመርኩ።
ብቕብልቲ ጊዜ ሰማዕኩኻ፡ ብመዓልቲ ምድሓን ከኣ ረዳእኩኻ፡ ይብል እዩ እሞ፡ እንሆ፡ እታ ቕብልቲ ጊዜ ሕጂ እያ፡ እንሆ፡ እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ እያ። 2 ቆሮ 6፡2  በለ ሰባኺ። ተመስገን ሕጂ ነዛ ዘላትኒ ግዜ ክጥቀመላ ኣለኒ፡ ኣምላኸይ በጃካ ርድኣኒ ንድኽመተይ ጠምት በልኩ ብውሽጠይ። ሰባኺ ብምቕጻል “ብንጽህና፡ ብፍልጠት፡ ብዓቕሊ፡ ብለውሃት፡ ብቕዱስ መንፈስ፡ ተጒላባ ብዜብላ ፍቕሪ” እናበለ ቀጸለ። ኣብ ሓሳብ ጸኒሐ ከይተፈለጠኒ እእ…… እናበልኩ ኣሕሸኽሾኽኩ። ኣብ ጐነይ ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ኣዕይንቶም ናባይ ከዝርወን እንከለዉ ተዓዘብኩ፡ ሕፍረተይ ሰማይ ዓረገ።

ብርግጽ ንዓይ ዝተመርጸት ዕለት ሎሚ እያ በልኩ። ኣምላኸይ ሓይልን ብርትዐን ሃበኒ። ናብቲ ቅኑዕ መንገዲ ምለሰኒ፡ ብሓጢኣት ዝነበርክዎ ዝሓለፈ ዘመን ከብቅዕ ደግፈኒ፡ እናበልኩ ነቲ ብሓጢኣት ዝረስሐ ነፍሰይ ክንጽሃለይን ከጽንዓንን ተመነኹ። ሕጂ ክገብሮ ዘለኒ እንታይ እዩ፥ በልኩ፡ እ-መጀመርታ ክረጋጋእ ኣለኒ፡ ብድሕሪኡ ክሳብ ሎሚ ዝፈጸምክዎም ናይ ሓጢኣት ተግባር ሓደ ብሓደ ምዝካር፡ ኣብ መወዳእታ ብዘይጥርጥር ብፍጹም ጣዕሳ ንስሓ ምእታው በልኩ።” ሕልናይ ንምቁጽጻር እናጸዓርኩ።

V
በቃ ካብ ሎሚ ምሸት ክትሓልፍ የብላን ብምባል ምስ ገዛእ ርእሰይ ውዕል ኣተኹ። ናይ ሕልና መጋባእያ ኣሰራርዓ ግዜ፡ ‘ሕጂ’ ዝብል እንተዘይኮይኑ ቆጸራ ብምንዋሕ ንሕይወት ኣብ ሰንፈላል ናይ ምንጥልጣል ኣካይዳ የብሉን። ክሲ ተነቢቡ፡ ምስክር ቀሪቡ፡ መጽሓፍ ሕጊ ተገንጺሉ፡ ቃለ-እምነት ተሰሚዑ ብምንባሩ እቲ እንኮ ተሪፉ ዝነበረ ፍርዲ ምብያን ብምዃኑ መዋጽኦ ምንዳይ ጥራሕ እዩ እቲ ኣማራጺ። ኣብ ከምዚ ህሞት ከለኹ፡ ጠበቓ ኮይኑ ስለይ ዝቐውም ክረክብ እናተመነኹ ናይ ኣበነፍሰይ መንፈሳዊ ጸጋ ቅጅል በለኒ። ሰባኺ ትምህርቱ ክፍጽም እንከሎ ኣይተረድኣንን። ምስ ሕልናይ ኣብ ዲቕ ዝበለ ምጉት እንከለኹ ኣብ መወዳእታ “……. ሓቛቚ ልብኹም ተዐጢቕኩም እናተጠንቀቕኩም፡ ነቲ ብምግሃድ ኢየሱስ ክርስቶስ እትረኽብዎ ጸጋ ምሉእ ተስፋ ግበሩ። ከም እዙዛት ውሉድ እምበር፡ ከምቲ ብዘመን ድንቊርና ኸሎኹም ዝገበርኩምዎ ናይ ቀደም ትምኒት ኣይትግበሩ” ዝብል ናይ ሊቀ-ሃዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ምዕዶ ዝጠቐሰ። “ናይ ድንቁርና ዘመን” እትብል ሓረግ ፍሉይ መልእኽቲ ኣብ ኣእምሮይ ኣቃልሐት እሞ ከይተፈለጠኒ ኣድመጽክዋ። ሕጂ’ውን ኣብ ጐድነይ ዝነበሩ ኣሕዋት ኣዕይንቶም ናባይ ክልእኩ እንከለዉ፡ ሕጂ ዶ እቲ ናይ ይምሰል ሕይወትካ ተፈሊጡካ ዝብሉኒ ዘለዉ ኮይኑ ተሰማዓኒ።

ብመሰረት ስሩዕ መደብ ናይቲ መርሓ ግብር ናይ ዕለቱ መዛሙር ዝቐርበሉ ግዜ ኣኺሉ፡ መዘምራን ናብ መድረኽ ወጹ። ኣፍደጌታት ልበይ ብምሉኡ ተራሕዩ ብምንባሩ፡ ንነፍሲ ወከፍ ቃለ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ድሉው ነበረ። ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቆረንቶስ ‘ልብኹም ኣግፊሕኩም ክፈቱልና’ ብምባል ዝተማሕጸኖም ትዝ በለኒ። ለካ ቃለ-እግዚኣብሄርሲ! ለካ መንፈስ ቅዱስሲ ንእሽቶ ፈቓቕ (ከፋት) እዩ ዝደሊ። ግዲ “እታ ግዜ ሎሚ እያ” ዝተበሃለት ኣኺላ ኮይና መዝሙር’ውን ንዓይ ዝምልከት ኮይኑ ተሰምዓኒ። መዘምራን ‘እንተዘይረዲእካኒ ንበይነይ’የ’ ዘርእስታ የዕጽምቲ ትትንክፍ መዝሙሮም ኣቕረቡ። መልእኽቲ ናይታ መዝሙር፡ ነታ ንበይና ኣምስያ ብሓጥያታ ኣብ መዋጥር ፍርዲ ሕልና ዝነበረት ነፍሰይ ግሁድ እዩ ኔሩ። ‘ንዝተረረ ሓጺን ኣርሲንካ ምቕጥቃጡ’ዩ’ ከምዝበሃል፡ ሎሚ መዓልቲ ተሪር ልበይ ዝተረፎ የብሉን። ናይ ዕለቱ ስብከት ዝቐስቀሶ ሓቀኛ ጣዕሳ ብሓይሊ ብመዝሙር’ውን ክቕጥቀጥ ጀመረ።
እቲ መደብ ቀጺሉ ናይ መንፈሳዊ ምርኢት ሰዓት በጽሐ፡ “ክሳብ መዓስ ኢና ብክልተ እግርና ንሕንክስ” ዝብል ኣርእስቲ ሒዛ ንኹሉ ሕይወተይ ፈተሸትኒ። ሎሚ ንዓይ ኢሉ ዝተሰርዐ መደብ እዩ በልኩ። ቤተ ክርስትያን ካብ ዝመላለስ  ነዊሕ እኳ እንተገብርኩ፡ ከምዛ ዕለት ጌረ ንውሽጢ ህይወትይ ኣነጺረ ክርኢ ዝኸኣልኩላ መዓልቲ ግን ኣይተጓነፈትንን። ብስብከት ጀሚሩ ብመዝሙር ዝቐጸለ፡ መግናሕቲ ፡ መንፈሳዊ ምርኢት ምስተወሲኽዎ ግርም ጌሩ ጉደይ ክቃላዕ ውዒሉ። ዝተዳለወ መርሓ ግብር ሓደ ብሓደ ድሕሪ ምውድኡ መዕጸዊ ጸሎት ተጌሩ፡ ቡራኬ ተዋሂቡ ‘ዝመጽእ ሰሙን ብደሓነ ሰላም የራኽበና’ ተባሂሉ፡ ነፍሲ ወከፍ ተሳታፊ ነናብ ቤቱ ክብገስ ጀመረ። ኣነ ግን ሎሚ ጾር ሓጥያተይ ከየራገፍኩ፡ ሕልናይ ከየዕረፍኩ  ንገዛ ከይምለስ ቆሪጸ ስለዝተለዓልኩ ኣብ ቤተ ክርስትያን ተረፍኩ። ድሕሪ እዚ ናይ ንስሓ ኣቦይ ዝረኽበሉ ኩነታት ንምንዳይ ብቕልጡፍ ናብቲ ንሶም ብቐጻሊ ጸሎት ንምብጻሕ ዝርከብሉ ቦታ ኣምራሕኩ። ዕድል ጌረ ከም ቀደሞም ጸንሑኒ እሞ ርእይ ምስ ኣበሉኒ “ሃየ ዝወደይ፥ እንታይ ክሰምዕ፧” በሉኒ። “ኣባ ክረኽበኩም ደልየ ኔረ በልክዎም” ብዝተመናንሀ ድምጺ ኣሕጺረ ሓበርኩዎም። “ሕራይ ጽቡቕ” ፍሕሽው ኣቀባብላኦም ነቲ ክጠልመኒ ጀሚሩ ዝነበረ ሓይለይ ኣሐደሰለይ። ብመጠኑ ትብዓት ደለብኩ። ግደ ሓቂ ሓጥያተይ ምሒር ኣጸይፉኒ ስለዝነበረ ኣበነፍሰይ ብኸምዚ ዝበለ ፍሕሽው ገጽ ሓንጎፋይ ኢሎም ክቕበሉኒ ትጽቢት ኣይነበረንን።  ሽዑ ጸሎት ድሕሪ ምግባር፡ በል ናብ ጉዳይና ንእቶ በሉኒ።
እንታይ ኢለ ከምዝጅምር ጨነቐኒ፡ እሂ ዝወደይ ኣጆኻ ሓሳብካ ግለጽ፡ ኢሎም ከምቲ ኣደ ንደቃ ብፍቕሪ እትገብሮ ርእሰይ ዳህሰሱኒ እሞ፡ ሕንቕንቕ እናበልኩ፡ “ኣቦይ ኣነ ሓጢኣተይ ከቢድ እዩ፡ እ. . ና. .ፈለ. . ጥ . ኩ ልበይ ዘ. . . ት. . .ረ. . .ር. . . . ኩ ሓጢኣተኛ እየ” ብምባል ንብዓት ስለዝቐደመኒ ኣቋረጽኩ፡ በል ዝወደይ ሓጢኣት ክንዲ ዝኸበደ ይኽበድ፡ ክንዲ ዝበዝሐ ይብዛሕ ዋና ነገር ብፍጹም ናይ ልቢ ጣዕሳ ምምላስ እዩ። ደሓር ከኣ ኣምላኽ ንድኻምና ዝፈልጥ መሓሪ እዩ እሞ ኣይትጠራተር በርትዕ በሉኒ።
ኣዕሚቐ ድሕሪ ምስትንፋስ ዘረባይ ቀጸልኩ፡ ኩሉ ዝርዝር ኣቢለ ምስ ነገርክዎም ዝወደይ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ እዚ እዩ። ስለዚ ኣጆኻ ዘሰንብድ ኣይኮነን፡ ዘዛኒ ከኣ ኣይኮነን። እምበኣር ከምዚ ክትገብር ኢኻ፡ ኢሎም እቲ ክወሃብ ዘለዎ መቕጻዕቲ ቀኖናይ ሂቦም ንኽብርትዕ ኣጸናኒዖም፡ ቀጻሊ ንኽመጾም ተማሕጸኑኒ። ብድሕሪ እዚ ጸሎት ጌሮም ሥርየት ሂቦም ኣፋነዉኒ እሞ እቲ ተጻዒኑኒ ዝነበረ ጾር ክቕንጠጥ ተፈለጠኒ፡ ሕይወተይ ክሕደስ፡ ሓይሊ ክረክብ ብጸሎት ኪድግፉኒ ተማሕጺነ ተፈለኽዎም። ካብዚ ናብቲ ናይ ሕይወተይ መቕይሮ ዝኾነ ናይቲ ዕለት ስብከት ብምምላስ፡ ከስተንትን ጀመርኩ።
ካብ ኣበነፍሰይ ተፋንየ ክኸይድ ከለኹ፡ ፍሉይ ደስታ ንልበይ ክመልኦ ተፈለጠኒ። ሰፍ ዘይብል ጽዕነት ሓጥያት ተሰኪመ ከይደ ከብቅዕ ኣምሳያ ልባዊ ጣዕሳይ ፍጹም ዕረፍቲ ተኻሒሰ። “ኣቱም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ከዕረፈኩም ናባይ ንዑ፡ ኣርዑተይ ፎኪስ ጾረይ ልዙብ እዩ’ ዝብል ወንጌላዊ ቅዱስ ማቴዏስ ዝጸሓፎ ቃል ወንጌል ብምልኣት ኣባይ ተፈጸመ። ዝተዋህበኒ ናይ ንስሓ ቀኖና ጸሎት ስግደት ከምኡ’ውን ካልእ ኣገልግሎታት ቤተ ክርስትያን ብምዃኑ፡ ካብ መቕጻዕቱ ንላዕሊ ሃናጽነቱ ዝያዳ ጎሊሑ ተራኣየኒ። እዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ቀኖና መንጸፍ-ከውሒ [Bedrock] ናይቲ ጐይታ ዝሰምሮ፡ መኣዛ ቅድስና ዘለዎ፡ ፍረ ትሕትና ዝረኣዮ ሓድሽ ውልዶ ዘርኢ ክርስትና ዝበቑሎ ህይወት ምዃኑ ብምሉእ ልበይ ኣሚነ መስከርኩ።
ክርስቲያናዊ ሕይወተይ ንምስትኽካልን ሥጋዊ ትምኒተይ ንምግታእን ንእግዚኣብሔር እናለመንኩ፡ ናይ ንስሓ ኣቦይ ምኽርን ድጋፍን ከይተፈልየኒ ብዝተረጋግአ መንፈስ ንምንባር ጻዕሪ ኣብ ምግባር እየ ዝርከብ። ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ንመንፈሳዊ ሕይወተይ ዘሐይል ነገር ቀዳምነት እናሃብኩ እየ። ናይ ንስሓ ኣቦይ ብዝበለጸ ኣገባብ ቃለ እግዚኣብሔር እናመገቡኒ እዮም። ርእስኻ ምግታእ ተማሂረ። ዝሓለፈ ኣብ ሓጢኣት ዝነበርክዎ ዘመን መሊሰ ከይምለሶ መንፈሳዊ ኣጽዋረይን ዋልታይን ተጠንቂቐ ሒዘ ኣለኹ። ብዝበለጸ ከኣ ንእግዚኣብሔር ተስፋይ ጌረ ይነብር ኣለኹ።
  ስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
Pet.Wepa 31-07-2003

No comments:

Post a Comment