Thursday, May 23, 2013

ስምኦን ዘአምድ



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!
ስምኦን ዘአምድ
(Click to Read in PDF)ቅድስት ቤተክርስቲያን ንቅዱሳን ብብቅዓቶም ብሃይማኖት ጽንዓቶም ብሓዋርያዊ ተልእኻኦም ገባርነቶምን ናይ ቅድስና ደረጃ እናሃበቶም ብሽሞም ታቦት ቀሪጻ ገድሎም ጽሒፋ ተኽብሮም። ቅዱሳን ብመሪር ተጋድሎን መስዋእትነትን ብሓዋርያዊ ተልእኾ፡ ስብከት ወንጌል ብምስፋሕ ተግባር ዝዋፈሩ ናይ ዕለት ግቢ ክዳን ዓመት ስኢኖም ንገድሊ ከም ሓደ መተሓዳደሪ ኣማራጺ ወሲዶም፡ ካብ ነገስታት ተወሊዶም ኣብ ቤተመንግስት ዓብዮም ናይዛ ዓለም ምቾትን ሕንቃቀን ፍስሃን ሓጎስን ንዒቆም ብምግዳፍ ብትምህርቲ ወንጌል ክርስቶስ ተመሲጦም ከም ሓዋርያት ኣቦታቶም ጸድቃንን ሰማእታትን ንዘልኣለማዊ ህይወት ብምምራጽ ናብ ፍጹም ምናኔን ገድልን ዝኣተው እዮም። ካብዞም ቅዱሳን ሓደ ከኣ ስምኦን ዘአምድ ኢዩ።
ኣብ ሓሙሻይ ሚእቲ ዓመት ሓድሽ ዝዓይነቱ መንገዲ ቅድስና ኣዕኑድ ንዝተባህሉ ቅዱሳን በዚ ኣቦ ዝኾነ ስምኦን ተኸፊቱ። እዞም ቅዱሳን ንነዊሕ ዓመታት ንእግዚአብሔር ብምድላይ መዓልትን ለይትን ሓጋይን ክረምትን ጸሓይን ቁርን ኣስሓይታን ንዳድን ኣብልዕሌዖም እናወረዶም ኣብ ልዕሊ ከረን መኽደኒ ኣብዘይብሉ ገዛ ብጾምን ነስሓን ገድሊ ሓሊፎም’ዮም። በዚ ተጋድሎኦም’ውን ነቲ ንክሓልፍዎ ጭንቂ ዝኾነ ጸቢብ መንገዲ ገነት ሓሊፎም።

Friday, May 17, 2013

ኣገልግሎትን፣ ፍረታት መንፈስ ቅዱስን



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!
ኣገልግሎትን፣ ፍረታት መንፈስ ቅዱስን
<<እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይኣኽለኒ ምባል እዩ።>> (ገላ.522)

(Click Here For PDF)ሓደ እዋን ሰይጣን ንኣባ መቃርስ ጸላእትኻ ኣመና በዚሖም ምስበሎ፡ ኣባ መቃርስ ሰብ ጸላኢ ሰብ የብሉን” ኢሉ ንሰይጣን ኣሕፈሮ። ዲያቢሎስውን መሊሱ እሞ ንሰብ ጸላኢኡ መንዩ? ኢሉ ንኣባ መቃርስ ሓተቶ፤ ኣባ መቃርስውን፣ ጸላኢ ሰብ ደኣ ንፍጥረታት ዕለተ ዓርቢ ዝኾነ ሰብ ኣዳም ዝፈተነ፡ ንእዮብ፡ ንዳዊት ነቶም ዝበቅዑ ኣቦታት ዝፈተነ ሓደ ፍጥረት ኔሩ ንሱ ኢዩ ጸላኢኡ!” ንስኻ ነዚ ፍጥረት ኣይትፈልጦን ዲኻ?”ኢልዎ። ዲያቢሎስ ከኣ ብፍጹም ሰሚዐሉ’ውን ኣይፈልጥን፡ ዋላ ሓደ ዝፈልጦ የብለይን። ዝገርም’ዩ ከመይ ዝበለ ጨካን ፍጥረትዩ በለ ርእሱ እናነቕነቐ። እወ ከምዝበልካዮ ጨካን’ዩ። ነዚ ፍጥረት ዘይምፍላጥካ ግን ገሪሙኒ፡ ይገርመካ ንሱ ጨካን ጥራይ ኣይኮነን ነቲ ዝፈጠሮ ኣብ ገዳመ ቆሮንጦስ ዝፈተነ ደፋርውን እዩ። ጨካንን ደፋርን ዋላ እንተኾነ ግን ብጐይታና ተሳዒሩ እዩ’ሞ ንሕና’ውን ነዛ ጾም ለንቅነ ንጾሟ እኮ ኢና ዘለና፡ ኢልዎ። ኣብዚ እዋን ዲያቢሎስ ተሳዒሩ ዝብል ቃል ክሰምዕ ከሎ ስዕረቱ ተዘኪርዎ ኣዕለበጠ። ከይፍለጥ ግናኣይ እዚ ደፋር! ጉድ እናበለ ምምሳሉ ቀጸለ፡ ኣባ መቃርስ ከኣ እሞ ንስኻ ነዚ እንተዘይፈሊጥካዮ ኣይትጸውምን ኢኻ ማለት’ዩ? ኢልዎ ፍሽክ እናበለ፣

Tuesday, May 14, 2013

ናይ ጸሎት ጥቅሚ ንቆልዑ



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!
ከመይ ቀኒኹም ፍትዋት ቆልዑ፤ ሎሚ ሓንቲ ዛንታ ክነግረኩም’የ፡ ከይረበሽኩም ጽን ኢልኩም ስምዑ ሕራይ፤ እታ ዛንታ ምስተወድአት ከኣ ሕቶ ክሓተኩም እየ

እምበኣር ፍትዋት ደቀይ ሎሚ ዝነግረኩም ዛንታ ናይ ጸሎት ጥቅሚ ኢዩ።
 ኣንበሳ

ማንቲለ

ሓሸማ
 
ሓደ እዋን ሓደ ዝጠመየ  ኣንበሳ ናብ  ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ጠምየ ኣለኹ’ሞ ዝብላዕ በኒ ክብል ጸሎት ገበረ። ጸሎት ጌሩ ምስወድኣ ሓንቲ ማንቲለ ርሑቅ ክትመጽእ ረኣየ፣ ምስረኣያ’ውን ተሓጉሱ ንክሕዛ ከጐያ ጀመረ። እታ ማንቲለ’ውን ምስረኣየቶ ብስምባደ እናጎየየት፡ ኣምላኽ ብዚ ኣፍ ኣንበሳ ኣውጽኣኒ ክትብል ለመነት፡ እቲ ኣንበሳን እታ ማንቲለን እናተጓየዩ ከለው፡ ኣብ ሓንቲ ሩባ በጽሑ። እታ ማንቲለ እናጎየየት ነቲ ሩባ ሰጊራቶ ከደት። እቲ ኣንበሳ ግና ኣብቲ ሩባ ምስበጽሐ ደው በለ። እታ ማንቲለ ኣምሊጣቶ ከምዝኸደት ምስረኣየ ሓዚኑ ጥውይ ክብል ኣብቲ ጥቃ ሩባ ጸጊቡ ዝደቀሰ ሓሸማ ረኣየ። እንታይ ገዲሹኒ ደኣ ንማንቲለ ዘጓይያ ኢሉ ነቲ ዝደቀሰ ሓሰማ በልዖ። እቲ ጸጊቡ ደቂሱ ዝጸንሐ ሓሸማ ብኣንበሳ ተበሊዑ። እቲ ኣብልዓኒ ኢሉ ዝጸለየ ኣንበሳ በለዐ። እታ ኣውጸኣኒ ዝበለት ማንቲለ ድማ ወጸት። ስለዚ ፍትዋት ቆልዑ ካብ’ዚ እንታይ ንመሃር ጸሎት ጠቃሚ ከምዝኾነን ክንጽልይ ከምዝግበኣናን ኢዩ። እቲ ሓሸማ ስለዘይጸለየ፣ ተበሊዑ። ንሕና’ውን ፍትዋት ቆልዑ ክፉእ ዘበለ ንኽንድሕን ወትሩ ጸሎት ክንገብር ይግበኣና ሕራይ'ዶ፤ በሉ ክሳብ ብሰላም ንራኸብ ኣምላኽ ሰላም ምሳኹም ይኹን ፍትዋት ቆልዑ።