Wednesday, July 31, 2013

ሰብ ክንእደኒ፡ ብዛዕባይ ኪዛረብ እምበር………………



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!
ሰብ ክንእደኒ፡ ብዛዕባይ ኪዛረብ እምበር………………
(Click to Read in PDF)ከባቢ ሰዓት 3፡00 ናይ ኣጋምሸት ሰንበት መዓልቲ ናይ ዓመተ 2010 እዩ ኔሩ። እቲ ኣብ ሞንጎ መንእሰያት መዛረብን መካትዕን ምንጪ ሸተኽበተኽን ኮይኑ ዝቐነየ ኣብ ሞንጎ ዓበይቲ ጋንታታት ዓዲ እንግሊዝ ዝካየድ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ዝካየደሉ መዓልቲ ብምንባሩ ልበይ እናተፈታተነኒ ከም ልሙድ ናብ ቤተክርስቲያን ተበገስኩ። መን ይስዕር? ክንደይ ብኽንደይ ይውዳእ? መንከ ሸቶ የመዝግብ? በዓል መን እዮምከ ዝስለፉ? ዝብል ሕቶታት እናውረድኩን እናደየብኩን ከይተፈለጠኒ ኣብ ኣፍ ደገ ቀጽሪ ቤተክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት በጻሕኩ። ኣብ ኣፍ ደገ ቀጽሪ ናይቲ ቤተክርስትያን ኣማዕቲበ ድሕሪ ምስላመይ፡ ካብ ቀንዲ ኣፍደገ ንየማን ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ትምህርቲ ሰንበት ኣምራሕኩ። ናይ ዕለቱ መርሓ ግብር ድሮ ጀሚሩስ ጸሎት፡ መእተዊ መዝሙር፡ ናይ ዕለቱ ወንጌል ሓሊፉ ናይ ዕለቱ ትምህርቲ ኣብ ምጅማሩ እየ ኣርኪበ። ኣብቲ ኣደራሽ ምእመናን ተማሀሮ ትምህርቲ ሰንበት ደቂ ተባዕትዮ ብየማናይ ወገን ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ብጸጋማይ ወገን ናይቲ ኣዳራሽ  ተቐሚጦም፡ ገለ ኣዴታት ከኣ ኣብቲ ቀንዲ ኣፍደገ ናይቲ ቀጽሪ ቤተክርስቶያን ብወገን ጸጋም ኮፍ ኢለን ነቲ ናይ ዕለቱ ትምህርቲ ኣብ ምክትታል ነበሩ። እቲ መምህር “ስለ እምነት ወንጌል ብሓንቲ ነፍሲ ምሳይ እናተጋደልኩም፡ ብሓደ መንፈስ ቀጥ ኢልኩም ከም እትቘሙ ምእንቲ ኽሰምዕ፡ ሓንትስ ንብረትኩም ንወንጌል ክርስቶስ ዚበቅዕ ጥራይ ይኹን።” ዝብል ካብ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝተወስደ ሓይለ ቃል መበገሲ ጌሩ እዩ ዝምህር ኔሩ።
“እስከ ብሓደ ሓሳብ፡ ብሓደ ልቢ ንኩሉ ገዲፍና’ዶ ብመንፈስን ብኣካልን ኣብዚ ኣለና፡ ወይስ ብኣካል ኣብዚ ቈምና ብሓሳብ ግን ኣብቲ ገዲፍናዮ ዝመጻና ዓለም ኣለና፥”  ሰባኺ ስብከቱ ይቕጽል።

Thursday, July 18, 2013

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!
<<ንዑናይ ናብ እግዚኣብሔር ንመለስ>> ሆሴእ 6፡1

(Click to read in PDF)ብክርስቶስ ክርስቲያን ብወልድ ውሉዳን ብመንፈስ ቅዱስ መንፈሳውያን ዝተሰመኹም ህዝበ እግዚኣብሔር ከመይ ቀኒኹም፤ ናይ ኣዴና ቅድስት ቅዱሳን ንጽህተ ንጹሃን ወላዲት ኣምላክ ድንግል ማርያም ናይ ቃል ኪዳን ደቃ፡ ብጸሎት ቅዱሳን እግዚኣብሔር እትምሕጸኑን እትውከሉን ከመይ ኣለኹም። ኣሜን!!!

ስሙ ንዘልኣለሙ ብኣና ብድኹማት ባሮቱ ብኣፍ ኩሎም ፍጡራኑ ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን።

ንሎሚ ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር፡ <<ንዑናይ ናብ እግዚኣብሔር ንመለስ>> ዝብል ሓይለ ቃል ክንምገብ፡ ንቅዱሳኑ ምስጢሩን ጥበቡን ዝገለጸ ንዓና’ውን ምስጢሩን ጥበቡን ምስትውዓሉን ክገልጸልና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።

ንስሓ 7ይን መወዳእታን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ
አሜን!!!
ንስሓ
ብመንጽር ብሂል ኣበው፡ 7ይን መወዳእታን
ናይ ንስሓ ህይወት
ሀ. ትግሃት
ቅዱስ ማር. ይስሓቕ፡
+ ጸጋታት ጾም ጸሎት ዘለዎ ሰብ፡ ግና ልሳኑ ዘይገትእ፡ ሓሳባቱ ዘይቆጻጸር ጻዕሩ ንኸንቱ እዩ። ምኽንያቱ ቅድመ ንስሓን ድሕረ ንስሓን ንዘሎ ህይወት እንተ ዝምዘን፡ ድሕሪ ንስሓ ዘሎ ናይ ንጽህና ምዕቃብ ይረዝን። 
+ ትእዛዝ ምሕላው ሓጢኣት ምፍጻም ይገትእ። ልባዊ ሓሳብ ምቁጽጻር ግና ነቲ ምንጪ ቃንዛ ሓጢኣት የወግድ።
+ ብዙሕ ዝዛረብ ሰብ ናይ ኣእምሮ ቅሳነት የብሉን። ቅሳነት ዘይብሉ ድማ ሓጎስ ኣይርከቦን። ንጽቡቕን ሕማቕን ናይ ሰባት ብልሳኑ ከልዕል ዚውዕል ሰብ ካብ ጸጋታት ኣምላኽ ተኻፋሊ በረኸት ኣይከውንን።